ኣብ ክልል ትግራይ ዝትከሉ ዘለዉ ፈልስታት ንዝባደሙን ብተደጋጋሚ ድርቂ ንዘጋጥሞምን ከባብታት ዘላቒ መፍትሒ ዝኾኑ እዮም

መቐለ/ሓምለ 24/2017(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ዝትከሉ ዘለዉ ፈልስታት ንዝባደሙን ብተደጋጋሚ ድርቂ ንዘጋጥሞምን ከባብታት ዘላቒ መፍትሒ ዝኾኑ እዮም ክብሉ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል እያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር) ገሊፆም።

መርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።

ኣብ ክልል ትግራይ እውን ካብ ንጉሆ ጀሚሩ እቲ መርሃ ግብሪ እናተሳለጠ እንትኸውን ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል እያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር)ን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብተሰብ ኣብ ዞባ ምብራቕ እቲ ክልል ወረዳ ፃዕዳ እምዳ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል እያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ሓለዋ ከባቢ ብተወሳኺ መሰረት ውሕስና ምግብን ዘላቒ ልምዓትን ስለዝኾነ ብንቕሓት ክንሳተፍ ኣለና ኢሎም።

እቶም ዝትከሉ ፈልስታት ብፍላይ ድማ ንዝባደሙን ድርቂ ንዘጋጥሞምን ከባብታት መድሕን ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ምትካል፣ምሕላውን ምክንኻንን ሓባራዊ ሓላፍነትና ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም።




 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም