ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ምርካባ ሃገር ዘኹርዐን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕልን እዩ-ሚኒስቴር ግብርና - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ምርካባ ሃገር ዘኹርዐን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕልን እዩ-ሚኒስቴር ግብርና

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 6/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብሙሩፅ ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ ካብ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣፍልጦ ምርካቡ ሃገር ዘኹርዐን ንዝበለፀ ስራሕ ምልዕዓል ዝፈጠረን ምዃኑ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ።
ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ ጣልያን ሮም ኣብ ዘሳለጦ ጉባኤ ምግቢ ዓለም ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ ብዝብል ዘፈር ኣፍልጦ ሂቡ።
ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምኡ እውን ፀሓፊ ብሄራዊ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፋኖሴ መኮንን ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ እቲ ትካል ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተሳልጦም ንዘላ ስራሕቲ ዝሃቦ ኣፍልጦ ነቲ ህዝቢ ዓብይ ስንቂ ሞራል ዝኸውንን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕልን እዩ ኢሎም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ 2011 ዓ/ም ዕላዊ ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ውሽጢ 8 ዓመታት ኣብ ክልተ ምዕራፍ 50 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ ክሳብ ሕዚ 48 48 ቢልዮን ፈልሲ ምትካል ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።
ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ ተኸላ ፈልሲ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ መርሃ ግብሪ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅን ንዘላቒ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ዝተውሃባ ኣፍልጦ እውን ሃገር ዘኹርዐን ንዜጋታታን ካልኦት ሃገራትን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕልን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።