ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓንቲ ፀሓይ 714 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ፈልሲ ብምትካል ዝተለመቶ ኣዐዊታ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓንቲ ፀሓይ 714 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ፈልሲ ብምትካል ዝተለመቶ ኣዐዊታ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 24/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓንቲ ፀሓይ 714 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ፈልሲ ብምትካል ናይ ባዕላ ክብረ ወሰን ምምሕያሽ ከምዝኸኣለት ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብዓወት ምዝዛሙ ኣመልኪቶም ንህዝቢ ኢትዮጵያ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 714 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ፈልሲ ብምትካል ዝተለመቶ ከምዘዐወተት ተዛሪቦም።