ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ታሪኻዊ እዩ-ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 6/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ታሪኻዊ እዩ ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም።
እቶም ኣቦ መንበር፤ ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ብምምራፃ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።



እቲ ጉባኤ ናይ ምትእንጋድ ውሳነ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ታሪኻዊ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣቦ መንበር፤ እዚ ድማ ኣፍሪካ ንስጉምቲ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ እዩ ኢሎም። 
ኢትዮጵያ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣቢላ ተርእዮ ዘላ እጃም መሪሕነት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር እውን ንኢዶም።
ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዳግማይ ልምዓት ደንን ሓምለዋይ ኣሰርን ሓዊሱ ጠንካራ ስጉምትታት ሓለዋ ከባቢ እናወሰደት ከምትርከብ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መድረኻትን ጉባኤታትን ብዓወት ኣብ ምትእንጋድ ዓሚቕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ላዕለዎት ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን ጉባኤታት ንምድላው ጠንካራ ትካላዊ ዓቕምን ልምድን ከምዘለዋ እውን ኣረዲኦም።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ኢትዮጵያ፣ማዕቐፍ ለውጢ ካብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት (UNFCCC)ን መሓዙትን ብምዃን ኮፕ 32 ሓቛፍን ውፅኢታውን ብምግባር ቀዳሞት ትኹረታት ለውጢ ካባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ምሕዝነት ንምጥንኻር ብቐረባ ከምዝሰርሕ ምግላፆም እቲ ሕብረት ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ።
ኣብ ብራዚል ቤለም ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(ኮፕ 30) ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2027 ዝሳለጥ ኮፕ 32 ንክተተኣናግድ ተመሪፃ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም