መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 4ይቲ ኣውሮፕላን ኤርባስ A350-1000 ሎሚ ተረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 26/2017 (ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 4ይቲ ኣውሮፕላን ኤርባስ A350-1000 ሎሚ ከምዝተረከበ ኣፍሊጡ።
እታ ኣውሮፕላን ንዓማዊል ዝለዓለ ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ዝተገጠመላ ከምዝኾነት እውን ገሊፁ።
ኣውሮፕላን A350-1000 ካብ 350 ክሳብ 410 መንገደኛታት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዋ እያ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣውሮፕላናት ኤርባስ A350-1000 ንምግዛእ ብምእዛዝ እታ ናይ መወዳእታ ኣውሮፕላን ሎሚ ከምዝተረከበ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቲ መንገዲ ኣየር ዝተረከባ ኣውሮፕላን A350-1000 እውን ብዓይነታ ፍልይትን ኣብ ኣፍሪካ ፈላመይትን እያ ኢሉ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 26 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝኾነት ኣውሮፕላን መንገደኛታት A350-1000 ዝተረከበ እንትኸውን እታ ኣውሮፕላን ''Ethiopia land of origins'' ብዝብል ሰይምዋ እዩ።
እዚ ድማ ምስ ምልላይ መስሕብ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ እዩ።
እታ ኣውሮፕላን ፈላማይ በረራኣ 26 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ናብ ናይጄሪያ ከተማ ሌጎስ ምግባራ ዝዝከር እዩ።
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘለውኦ ልዕሊ 160 ኣውሮፕላናት ልዕሊ 140 ዓለም ለኸን 22 ሃገር ውሽጥን መባፅሕታት በረራ እናሸፈነ እዩ ዝርከብ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2035 ዓመታዊ ኣታዊኡ ናብ 25 ቢልዮን ዶላር ንምዕባይን ኣብ ዓመት 67 ሚልዮን መንገደኛታት ንምጉዕዓዝን ትልሚ ተሊሙ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም