ሓምለዋይ ኣሰር ሓደሽቲ መባፅሕታት ቱሪዝም እናፈጠረልና እዩ-ሚኒስትር ሰላማዊት ካሳ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 24/2017(ኢዜኣ) ሓምለዋይ ኣሰር ሓደሽቲ መባፅሕታት ቱሪዝም እናፈጠረልና እዩ ክብላ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን።
ብብርኪ ሃገር 700 ሚልዮን ፈልሲ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ንምትካል “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሎሚ መዓልቲ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ሚኒስቴር ቱሪዝም፣ተፀዋዕቲ ትካላት፣ሪፐብሊካን ጋርድ 5ይ ክፍለ ሰራዊትን መዳርግቲ ኣካላት ሚኒስቴር ቱሪዝምን ኣብ ሸገር ሲቲ ክፍለ ከተማ ጅራ ተረኺቦም ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ዘበን ተሻጋሪ ካብ ዝኾኑ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እቲ ሓደ እዩ።

ብሓምለዋይ ኣሰር ተረባሕቲ ካብ ዝኾኑ ዓውድታት እውን ቱሪዝም እቲ ሓደ እዩ ኢለን።
ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ዝተተኸሉ ፈልስታት ሓደሽቲ መባፅሕታት ቱሪዝም እናፈጠሩ ከምዝኾኑ እውን ኣረዲአን።




 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም