ቁጠባ
ሙሩፅ ዘርኢ ጣፍ ብምጥቃምና ካብ ሄክታር ልዕሊ 20 ኩንታል ፍርያት ትፅቢት ንገብር-ሓረስቶ ዞባ ማእኸላይ ክልል ትግራይ
Oct 16, 2024 39
  ኣኽሱም/ጥቅምቲ/ 6/2017 (ኢዜኣ) ብምርምር ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ብዝተረኸበን ኣክሱማዊት ብዝተብሃለን ሙሩፅ ዘርኢ ጣፍ ሕርሽኦም ዝሸፈኑ ሓረስቶት ካብ ሄክታር ልዕሊ 20 ኩንታል ፍርያት ክረኽቡ ትፅቢት ከምዝገብሩ ገሊፆም። ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ብምርምር ዝረኸቦም ሙሩፅ ዘርእታት ጣፍን ሽምብራን እቲ ሓረስታይ ብሰፊሑ ንክጥቀመሎም ስራሕቲ ምልላይን ምልማድን እናሳለጠ ይርከብ። ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል ነባሪ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ሓረስታይ ክንፈ ወሉ፤ ብምርምር እቲ ማእኸል ብዝተረኸበን ኣክሱማዊት ብዝተብሃለን ሙሩፅ ዘርኢ ጣፍ ሕርሽኦም ከምዝሸፈኑ ተዛሪቦም። ምስ ካልኦት ሓረስቶት ብሜላ ኣተሓራርሳ ኩታ ገጠም በቲ ማእኸል ብዝተረኸበ ሙሩፅ ዘርኢ ጣፍ ካብ ዝሸፈንዎ ሓደ ሄክታር ሕርሽኦም ልዕሊ 20 ኩንታል ፍርያት ትፅቢት ከምዝገብሩ እውን ሓቢሮም። ኣብ ሓደ መዓልቲ ሓደ ዓይነት ዘርእን ሜላ ኣተሓራርሳን ብምጥቃምና ፍርያትን መፍረያነትን ንምዕባይ ልዑል እጃም ኣበርኪቱ እዩ ኢሎም። ሓረስታይ ኣብርሃ ግደይ ብግደኦም፤ ምስ ሓረስቶት ብሓባር ምስራሕ ካብ ዓፂድ ክሳብ ዓውዲ ዘለዉ ስራሕቲ ከምዘቀላጥፍ ገሊፆም። ሙሩፅ ዘርእን ሰብ ስራሕ መዳበርያን ብእዋኑ ስለዝተጠቐሙ ልዕሊ ዕፅፊ ፍርያት ትፅቢት ከምዝገብሩ እውን ተዛሪቦም። ሓረስታይ ገብረ ክርስቶስ ኣምሃ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከባቢ ሓደ ሄክታር ሕርሻ ብሙሩፅ ዘርኢ ጣፍ ኣክሱማዊት ብምሽፋን 20 ኩንታል ፍርያት ከምዝረኸቡ ኣረዲኦም። ቅድሚ ሕዚ ካብ ሓደ ሄክታር ሕርሻ ክሳብ 10 ኩንታል ፍርያት ይረኽቡ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፤ ካብቲ ማእኸል ዝተረኸበ ሙሩፅ ዘርኢ ጣፍ ምጥቃም ካብ ዝጅመሩ መፍረያይነቶም ብዕፅፊ ከምዝወሰኸ ሓቢሮም። ኣብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ሓለዋን ተመራማርን ዝራእቲ ዘፈር ስራሕ ስነ ዝራእቲ ኣይተ ገብረፃዲቕ ዘረኣብሩኽ፤ እቲ ማእኸል ኣብ ዓሌታት ዝራእቲ ጣፍን ሽምብራን ትኹረት ብምግባር ስራሕቲ ምርምር እናካየደ እዩ ዝርከብ ኢሎም። እቲ ማእኸል፤ ፍርያት ሓረስታይ ከዕብዩ ዝኽእሉ ውፅኢታት ምርምር ንሓረስታይ ካብ ምልማድን ምልላይን ብተወሳኺ ስራሕቲ ምብዛሕ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ነፃ ንግዲ ዞባ ድሬዳዋ ንኩለ መዳያዊ ዕቤት ሃገር ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ብሙሉእ ዓቕሙ ንክዋፃእ እናተሰርሐ እዩ
Oct 16, 2024 36
    ድሬዳዋ/ጥቅምቲ/ 6/2017 (ኢዜኣ) ነፃ ንግዲ ዞባ ድሬዳዋ ንኩለ መዳያዊ ዕቤት ሃገር ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ብሙሉእ ዓቕሙ ንክዋፃእ እናተሰርሐ ምዃኑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍሰሃ ይታገሱ(ዶ/ር) ገሊፆም። ብላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌመንግስቲ ዴራል ዝተመርሐ ሃገራዊ ኮሚቴ ትግበራ ነፃ ንግዲ ዞባ ምንቅስቓስ ነፃ ንግዲ ዞባ ድሬዳዋ ተዓዚቡ። ኣብቲ ዑደት፤ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዓለሙ ስሜ(ዶ/ር)፣ዋና ፈጻሚ ስራሕ ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ኢንጂነር ታከለ ኡማ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍሰሃ ይታገሱ(ዶ/ር)፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ በሪሶ ኣመሎ(ዶ/ር)፣ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከድር ጁሃርን ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓ ፌዴራልን እቲ ምምሕዳርን ተረኺቦም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍሰሃ ይታገሱ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘህነፆም 13 ፓርክታት ኢንዱስትሪን ነፃ ንግዲ ዞባ ድሬዳዋን ከምኡ እውን ንኩለመዳያዊ ዕቤት ሃገር ኣስተዋጽኦ እናበርከቱ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ስራሕ እዮም ዝርከቡ። እዞም ስራሕቲ እዚኦም ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕን ነፃ ንግዲ ዞባ ድሬዳዋ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ ንምእታውን ዝተዋደደ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ወረዳ ኣቦቦ ዝርከብ ግድብ ኣልዌሮ ብሙሉእ ዓቕሚ ናብ ኣገልግሎት ሕርሻ መስኖ ንምእታው ክስራሕ እዩ-ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)
Oct 16, 2024 24
  ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 6/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ጋምቤላ ወረዳ ኣቦቦ ዝርከብ ግድብ ኣልዌሮ ብሙሉእ ዓቕሚ ናብ ኣገልግሎት ሕርሻ መስኖ ንምእታው ከምዝስራሕ ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ወይዘሮ ኣለሚቱ ኡሞድን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ብምዃን ግድብ ኣልዌሮ ጎብንዮም። ግድብ ኣልዌሮ ዋላ ኳ ልዕሊ 10 ሽሕ ሄክታር መሬት ከልምዕ ዝኽእል ዓቕሚ እንተሃለዎ እቲ ዝተተለመሉ ዝኣክል ኣገልግሎት ከይሃበ ምፅንሑ ሓበሬታ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን እቲ ክልል የመላኽት። ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኣብ እዋን እቲ ዑደት ከምዝበልዎ፤ ከም ሃገር ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝተተለመ ትልሚ ንምስኻዕ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት መስኖ ተጠቒምካ ዓመት ሙሉእ ምፍራ ግድን እዩ። ኣብ ክልል ጋምቤላ ንነዊሕ ዓመታት ግቡእ ኣገልግሎት ከይሃበ ዝፀንሐ ግድብ ኣልዌር ብሙሉእ ዓቕሚ ናብ ስራሕ ንምእታው መፅናዕቲ መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ተግባራዊ ምግባር ከምዘድሊ ገሊፆም። እቲ ክልል ሰፋሕቲ ሕርሻን ልሙዕ መሬት ዘለዎን ስለዝኾነ ኣማራፅታት መስኖ ብምስፋሕ ዓመት ሙሉእ ምፍራይ ዝኽእለሉ ኣሰራርሓ ንክሸጋገር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ከምዝስራሕ እውን ተዛሪቦም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ወይዘሮ ኣለሚቱ ኡሞድ ብግደአን፤ ኣብቲ ክልል ዘሎ መሬት ሕርሻን ሃፍቲ ማይን ብኣግባቡ ንምልማዕ እቲ ማሕበረሰብን ኣብ ኢንቨስትመንት ግብርና ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍትን ዘሳተፈ ልምዓት ስራሕ ክስራሕ እዩ ኢለን።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ፖርት ሱዳን ሓዱሽ በረራ ጀሚሩ
Oct 15, 2024 36
  ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 5/2017 (ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ ከተማ ወደብ ሱዳን ዝኾነት ፖርት ሱዳን በቢመዓልቱ ዝግበር ሓዱሽ በረራ ጀሚሩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምጅማር፤ ዋና ፈጻሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው፣ዋና ሓላፊ ዘፈር ንግዲ እቲ መንገዲ ኣየር ኣይተ ለማ ያዴቻ፣ምክትል መራሒ ሚሲዮን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ሱአድ ኣሊን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ዋና ፈጻሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው፤ እቲ መንገዲ ኣየር ዓለም ለኸ መባፅሕታት በቢእዋኑ እናስፍሐ ከምዝኾነ ብምግላጽ ብፍላይ ድማ ከተማታት ኣፍሪካ ብትራንስፖርት ኣየር ብስፍሓት ኣብ ምትእስሳር እዩ ዝርከብ ኢሎም። ኣብዚ ሕዚ እዋን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ 61 ከተማታት ዝበርር እንትኸውን እዚ ሎሚ መዓቲ ናብ ፖርት ሱዳን ዝተጀመረ በረራ እውን እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ከተማታት ኣፍሪካ ዘሎ መባጽሕታት ናብ 62 ከምዘብፅሖ ገሊፆም። እዚ ሓዱሽ በረራ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ከምዘቀላጥፍ ሓቢሮም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኤ350-1000 ዝሽማ ኣውሮፕላን ከምዝርከብ ኣፍሊጡ
Oct 14, 2024 40
  ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/4/ 2017 /ኢዜአ/መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲ ኤ350-1000 ዝሽማ ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ከምዝርከብ ኣፍሊጡ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው÷ “እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ዘለዎ ቀዳማይ ቦታ ክቕፅል ንምግባር በቢእዋኑ ሓደሽቲ ኣውሮፕላናት እናምፀአን ዓለም ለኸ መብፅሒኡ እናስፈሐን ይርከብ” ኢሎም። እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኩባኒያ ኤር ባስ ዝርከባ ''Ethiopia Land of Origins'' ብዝብል መፀውዒ ዝሽማ ኤ350-1000 ኣውሮፕላን እወን ብዓይነታ ፍልይቲን ኣብ ኣፍሪካ ፈላመይቲ ከምዝኾነት ኣብሪሆም። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኤ350-900 ኣውሮፕላናት ምጥቃም ካብ ዝጅምር ሸውዓተ ዓመታት ዘቑፀረ እንትኸውን÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን 20 ኤ350-900 ኣውሮፕላናት ኣብ ስራሕ ከምዝርከባ ሓቢሮም፡፡ ኤ350-1000 ኣውሮፕላን ድማ 400 መቐመጢ ዘለዉዋ ነዓማዊል ልዑል ኣገልግሎት ክህብ ዘኽእል ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተገጠመላ ከምዝኾነት እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣብሪሆም። እቲ መገዲ ኣየር ኣብዚ ሕዚ እዋን÷ ብ147 ኣውሮፕላናት 139 ዓለም ለኸን 22 ናይ ውሽጢ ሃገርን መብፅሒ በረራታት እናሸፈነ ይርከብ፡፡
ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 88 ቢሊዮን ብር ኣታዊ ኣኪቡ
Oct 14, 2024 30
አዲስ አበባ/ጥቅምቲ/4/2017/ኢዜአ/ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያ ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም 88 ቢሊዮንን 100 ሚሊዮንን ብር ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያ ደበሌ ቃበታ ንኣፈፃፅማ ፈላማይ ርብዒ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም እቲ ትካል ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ፤ ፣ኣብቲ ርብዒ ዓመት 88 ቢሊዮንን 100 ሚሊዮንን ብር ኣታዊ ተረኺቡ። እቲ ኣፈፃፅማ ካብቲ ትልሚ 100 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘለዎን ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 38 ቢሊዮንን 150 ሚሊዮንን ብር ወሰኽ ከምዘለዎ ተዛሪቦም። ኮንትሮባንድ ንምክልኻል ጠመተ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም ኣብቲ ርብዒ ዓመት 3 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ብር ግምት ዘለዎም ዝወፁን ዝኣትዉን ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም ኢሎም። ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምክልኻል ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ክትትል ቁፅፅርን ኣብ ልዕሊ ሃገር ክበፅሕ ይኽእል ዝነበረ ልዕሊ 50 ቢሊዮን ብር ጉድኣት ምድሓን ከምዝተኽኣለ ወሲኾም ገሊፆም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም