ቁጠባ - ኢዜአ ትግርኛ
ቁጠባ
ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕ ፋይናንስ 1 ቢልዮን ዶላር ተፈራሪሞም
Jul 4, 2025 90
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /27/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ኩለመዳያዊ ዕቤትን ንምድጋፍ ዘኽእል ስምምዕ ፋይናንስ 1 ቢልዮን ዶላር ተፈራሪሞም። እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ዳይሬክተር ኢትዮጵያ፣ኤርትራ፣ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ባንኪ ዓለም ማርያም ሳሊምን እዮም ፈሪመምዎ። ኣካል ካልኣይ ፕሮግራም ፖሊሲ ልምዓት ዘላቕን ኩለመዳያውን ዕቤት (DPO) ዝኾነ እቲ ስምምዕ ፋይናንስ ብመልክዕ ረድኤትን ብዝነኣሰ ወለድን ኣብ ነዊሕ እዋን ዝኽፈል ልቓሕ(Concessional Loan) ዝወሃብ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ። ባንኪ ዓለም ኣጀንዳ ሪፎርም ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዘለዎ ቆራፅነት ዘመላኽት ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ። እቲ ፕሮግራም፤ መንግስቲ ዓውዲ ፋይናንስ ንምርግጋዕ፣ተወዳዳሪነት ንግዲ ንምዕባይ፣ዓቕሚ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ንምጥንኻር፣ተሓታትነት ዝተረጋገፀሉ ውፅኢታዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ንምፍጣር ከምኡ እውን ዘላቕነት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምርግጋፅ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕ ዝድግፍ ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ይሕብር። እቶም ዝተገለፁ ስራሕቲ ዓምድታት ማክሮ ኢኮኖሚን መዋቕራዊ ትራንስፎርሜሽንን ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ እውን ተገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ባንኪ ዓለም ኣብ ፕሮግራም ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ቁልፊ ትኹረት ኣብ ዝተውሃቦም ዓውድታት ሪፎርም ንዘርእዮ ዘሎ ሃናፂ ምሕዝነትን ደገፍን ምስጋና ኣቕሪቡ። እቲ ስምምዕ፤ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ኩለመዳያውን ዘላቕን ልምዓት ጋህዲ ናይ ምግባር ሓባራዊ ሽቶታቶም ንምዕዋት ዘለዎም ጠንካራ ምትሕብባር ዘመላኽት ከምዝኾነ እውን እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።
ረቂቕ በጀት 2018 በጀት ዓመት 1 ነጥቢ 93 ትሪልዮን ብር ኮይኑ ፀዲቑ
Jul 3, 2025 112
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 26/2017(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2018 ዓ/ም ኣፅዲቑ። ኣብቲ ኣኼባ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣በጀትን ፋይናንስን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ደሳለኝ ወዳጄ ሓሳብ ውሳነን ፀብፃብን ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2018 ዓ/ም ኣቕሪቦም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ሓሳብ ውሳነ ብምምርማር ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2018 ዓ/ም ኣፅዲቑ። ኣብቲ ፀብፃብ፤ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ቀፃሊ በጀት ዓመት 1 ነጥቢ 93 ትሪልዮን ብር ከምዝኾነ ተገሊፁ። ካብቲ ረቂቕ በጀት 1 ነጥቢ 2 ትሪልዮን ብር ንስሩዕ ወጻኢ፣415 ቢልዮን ብር ንካፒታል ወፃኢ፣315 ቢልዮን ብር ንደገፍ መንግስትታት ክልል ከምኡ እውን 14 ቢልዮን ብር ንመፈፀሚ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ክልላት ደገፍ ዝውዕል እዩ። ካብቲ ረቂቕ በጀት 1 ትሪልዮን ብር ወይ ድማ 73 ሚኢታዊ ካብ ኣታዊ ታክስ፣236 ቢልዮን ብር ካብ መሓዙት ልምዓት እቲ ዝተረፈ ድማ ካብ ደገፍ ፕሮጀክትታትን ዝተፈላለዩ ኣታዊታትን ንምርካብ ከምዝተተለመ ተሓቢሩ። ኣብቲ ረቂቕ በጀት ብኣንፃር ጥሙር ሃገራዊ ፍርያት ዘይተፃረየ ጉድለት በጀት 2 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ዝተፃረየ ጉድለት በጀት 1 ሚኢታዊ ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ ይገልፅ። መንግስቲ፤ እቲ ጉድለት በጀት ብቀጥታ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ልቓሕ ብምውሳድ ዘይኮነስ ብሰነድ መሸጣ ግምጃ ቤት ከምዝሽፍን እውን ተፀሪሑ። ረቂቕ በጀት 2018 ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖምን ትልሚ ልምዓት መሪሕ 10 ዓመትን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ኣብቲ ፀብፃብ ቀሪቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ሽፋን መገዲ 175 ሺሕ ኪሎሜትሮ በፂሑ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ
Jul 3, 2025 70
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2017 ዓ.ም/ኢዜኣ/ኣብ ኢትዮጵያ ሽፋን መገዲ 175 ሺሕ ኪሎሜትሮ በፂሑ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንመሰረተ ልምዓት መንገዲ ብዝምልከተ ካብ ኣባላት ቤት ምኸሪ ንዝቐረብሎም ሕቶታት መብረሂ ሂቦም። ኣብ መብሪሂኦም ሽፋን መንገዲ ኢትዮጵያ 175 ሽሕ ኪሎሜትሮ በፂሑ እዩ ኢሎም ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ 1 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር ዝሓቱ 300 ፕሮጀክትታት ከምዝፀደቑ ገሊፆም። እቶም ፕሮጀክትታት ንምህናፅ ውዕሊ ብምኽታም ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ስራሕ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም። ካብ መንጎ እቶም ፕሮጀክትታት እቶም 169 ለዕሊ 11 ሺሕ ኪሎሜትሮ መገዲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ይህነፅ ከምዘሎ ሓቢሮም። 17 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ መገዲ ከቢደን ቀሊልን ፅገና ይግበረሉ ኣሎ ኢሎም። ብሓፈሻ 28 ሺሕ ኪሎ ሜትሪ መገዲ ብፅገናን ሓዱሽን ይህነፅ ምህላዉ ተዛሪቦም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር። ሽፋን መሰረተ ልምዓት መገዲ ናይ ምዕባይ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።
ሎሚ ዘበን 37 ቶን ወርቂ ንዕዳጋ ወፃኢ ቀሪቡ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jul 3, 2025 82
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /26/2017(ኢዜኣ) ሎሚ ዘበን 37 ቶን ወርቂ ንዕዳጋ ወፃኢ ከምዝቐረበ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 42 ስሩዕ ኣኼብኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ የካይድ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ትልሚ ኣፈፃፅማ 2017 መንግስቲ ዝምልከት ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ምላሽን መብራህርን እናሀቡ እዮም ዝርከቡ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መዓድን ብዝምልከት ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብራህርህን፤ ሎሚ ዘበን ንዓውዲ መዓድን ዝተውሃበ ትኹረት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ንምድጋፍ ኣኽኢሉ እዩ ኢሎም። ኣብ በጀት ዓመት 2016 4 ቶን ወርቂ ንዕዳጋ ወጻኢ ብምቕራብ 300 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ብምሕባር፤ ኣብዚ ዓመት ምስዝተረኸበ ኣታዊ እንትነፃፀር ልዑል ለውጢ ከምዘለዎ ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን ሎሚ ዘበን 37 ቶን ወርቂ ንዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብ 3 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ኣታዊት ከምዝተረኸበ ኣፍሊጦም።
ዓቕሚ ምፍራይ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓሚ ካብ ዝነበሮ 59 ሚኢታዊ ኣብዚ ዓመት 65 ሚኢታዊ በፂሑ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jul 3, 2025 38
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 26/2017(ኢዜኣ) ዓቕሚ ምፍራይ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓሚ ካብ ዝነበሮ 59 ሚኢታዊ ኣብዚ ዓመት 65 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኢንዱስትሪ ዝምልከት ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ምላሽን መብራህርህን ሂቦም። ኣብ መብራህሪህኦም እውን፤ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ሎሚ ዘበን ከባቢ 12 ሚኢታዊ ዕቤት ንምምፃእ ተተሊሙ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ፀሪሖም። ኢትዮጵያ ተፍሪ ብዝብል ጎስጓስ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ብምግላፅ፤ ስለዝኾነ ድማ ዓቕሚ ምፍራይ ዓሚ 59 ሚኢታዊ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር ኣብዚ ዓመት 65 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ገሊፆም። እዚ ድማ ኣጠቓቕማ ምፍራይ ፋብሪካታት ብምዕባይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብዚ ዓመት ድሌት ሓይሊ ኢንዱስትሪ 40 ሚኢታዊ ከምዝበፀሕ ኣረዲኦም። እዚ ዓብይ ዕድል እዩ፤ ፍርያት ሲሚንቶ ወሲኹ እዩ፤ ኣብ ውፅኢታት ሓፂነ መፂን 18 ሚኢታዊ ተመዝጊቡ እዩ እውን ኢሎም። ኢትዮጵያ ዓቕሚ ምፍራይ ሓፂነ መፂን ከምዝሃነፀት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ድሌት ሓፂነ መፂን ሙሉእ ብሙሉእ ምምላእ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተጀመሩ ተዛሪቦም። ፋብሪካ ምስትያት ኣብ ዓመት ከባቢ 600 ሽሕ ቶን ዘፍሪ እናተሃነፀ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ብዝኾነ ረቛሒ ዝነኣድ እዩ ኢሎም። ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ታሕሳስ ወይ ድማ ጥሪ ከምዝዛዘም ብምግላፅ፤ ፍርያት ሶላር ዘፍርዩ ፋብሪካታት እናተሃነፁ ከምዝኾኑን ኣብ ቀረባ ከምዝምረቑን ከምኡ እውን ኢንዱስትሪ ንምንቕቓሕ እናሰራሕና ኢና ክብሉ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን ፍሪያት ጋዝ ንመጀመሪያ እዋን ናብ ዕዳጋ ክተቕርብ ኢያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jul 3, 2025 12
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2017 /ኢዜኣ/ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን ፍሪያት ጋዝ ንመጀመሪያ እዋን ናብ ዕዳጋ ክተቕርብ ኢያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ንጋዝ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብ እዋን ስርዓት ንጉስ ዛመነ ደርግን ኢህኣዴግን ጋዝ ንምውፃእ ፈተነታትን ዝርርባትን ስምምዕነታትን ምንዳሮም ኣዘኻኺሮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፍሪያት ጋዝ ዝዋፈሩ ኩባኒያታት ፍቓድ ኣውፂኦም ናብ ጭቡጥ ስራሕ ኣይኣትዉን ነይሮም፤ ሐዚ ግን እዚ ክመዓራረ ብምግባርና ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን ፍሪያት ጋዝ ንመጀመሪያ እዋን ናብ ዕዳጋ ክተቕርብ ኢያ ኢሎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዓውዲ ኢንዱስትሪ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እቲ ዓውዲ ኣብዚ ዓመት 12.8 ሚኢታዊ ዕብየት ንከምፅእ ትልሚ ተታሒዙ ከምዝተጀመረ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ልዑል ዓቕሚ ዕደና ዘለዋ ሃገር ኢያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ኣፍሪካ ገዚፍ ዓቕሚ መዓድን ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብዚ ዓመት 65 ሚኢታዊ በፂሑ ኢሎም። ኣብዚ ዓመት ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዘሎ ድልየት ኢነርጂ ብ40 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ እውን ሓቢሮም። ወርቂ ኣብዚ ዓመት 37 ቶን ሰደድ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ ብድምር ኣብዚ ዓመት 3.5 ቢሊየን ዶላር ብሰድድ ዕዳጋ ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ዘበን ዘይነበረ ዕውቱነት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣፍርያ ምብላዕ ዘይከኣለት ሃገር ብሄራዊ ረብሓታታ ንምርግጋፅ ትፅገም እያ ብዝብል ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ትልሚ ሒዝና ሰሪሕና ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jul 3, 2025 15
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /26/2017(ኢዜኣ) ኣፍርያ ምብላዕ ዘይከኣለት ሃገር ብሄራዊ ረብሓታታ ንምርግጋፅ ትፅገም እያ ብዝብል ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ትልሚ ሒዝና ሰሪሕና ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ግብርና ዝምልከት ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ምላሽን መብራህርህን ሂቦም። ኣብ መብራህሪህኦም እውን፤ ግብርና ዋልታ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ብምግላፅ ዋልታ ኣታዊ ንግዲ ወፃኢና እውን እዩ ኢሎም። ግብርና ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቀጥታን ተዘዋዋርን ዝሳተፈሉ ዓውዲ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ግብርና ኣብዚ ዓመት 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ዕቤት ንከምፅእ ከምዝተተለመ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዓውዲ ግብርና ካብ ካልኦት ዓውድታት ፍሉይ ትኹረት ዝረኸበ ኢትዮጵያ ልኣላዊነት ምግቢ ክትረክብ ኣለዋን ኣፍርያ ምብላዕ ዘይከኣለት ሃገር ብሄራዊ ረብሓታታ ንምርግጋፅ ትፅገም እያን ብዝብል ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ትልሚ ሒዝና ሰሪሕና ኢና ኢሎም። ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት 27 ሚልዮን ብሴፍቲኔት ዝመሓደሩ ዜጋታት ከምዝነበሩ ብምግላፅ፤ እዚኣቶም ካብ ሴፍቲኔት ንምሽግጋር እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም። ስለዝኾነ እውን ንነዊሕ ዘበን ብሴፍቲኔት ክመሓደሩ ዝፀንሑ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ዓርሶም ናብ ምምሕዳር ከምዝተሸጋገሩ ገሊፆም። ብተወሳኺ እውን 23 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ካብ ተመፅዋታይነት ሴፍቲኔት ሓራ ከምዝወፁ እውን ፀሪሖም። እዚ ድማ መርኣያ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ኩርዓት ክስመዐና ይግባእ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ዝተረፈ ከባቢ 4 ሚልዮን ተመፅዋታይ ሓራ ብምውፃእ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ልኣላዊነት ምግባ ዘረጋገፀት ሃገር ክንገብር ኣለና፤ ነዚ ድማ ሰፊሕ መሬት ኣለና ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም መብርሂ ኣብ ምሃብ ይርከቡ
Jul 3, 2025 11
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2017 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም መብርሂ ኣብ ምሃብ ይርከቡ፡፡ ማክሮ ኢኮኖሚ መበገሲኡ፥ ስብራት ኢኮኖሚ፣ ውልቀ ዓውዲ ኣብ ኢኮኖሚ ዝነበሮ ግደ ምንኣሱ፣ ኣብ ግብርናን ኢንዱስትሪን ዝነበረ ውሱንነት ፍሪያት፣ ኣብ ዕዳጋ ተወዳደሩ ዝስዕር ኢኮኖሚ ዘይምፍጣሩ ዝብሉ ኣርባዕተ ነገራት ብምሓዝ ኢዩ ናብ ሪፎርም ኢኮኖሚ ተኣትዩ ኢሎም። ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተጀመረ መትከል መንግስቲ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ዓውዲታትን ብሪፎርም ምቕያር ይከኣል ኢዩ ዝብል እምነት ብምሓዝ ኢዩ። ይኹን እንበር እዚ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዛዘም ዘይኮነስ ብብርኪ ዓለም ዘሎ ኩነታት እውን ኣብ ግምት ዘእተወን ምስ እዚ ምትዕፅፃፍ ዘድሊዮም ምንባሩ ገሊፆም። ስርዓት ንግዲ ዘዛብዑ ብዙሓት ነገራት ዘጋጠምሉ ብምዃኑ ብብርኪ ዓለም ዝቕባበ ዋጋ ብ4.3 ሚኢታዊ ክውስኽ ይኽእል ኢዩ ዝብል ትንበያ ከምዘሎ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለምን ኣብ ሃገርን ብዙሓት ፈተናታት ዘለውዋ እኳ እንተኾነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 8.1 ዕብየት ምምዝጋቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣዘኻኺሮም። ካብዚ ብምብጋስ ሎሚ ዘበን 8.4 ሚኢታዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ልእላውነት ምግባ ንምርግጋፅ ከም ቁልፊ ተገይሩ ዝውሰድ ዓውዲ ግብርና ብ6.1 ሚኢታዊ ንክዓቢ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም። ሎሚ ዘበን ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ተራእዮም ዘይፈልጡ ዓወታትን ውፅኢትን ዝተመዝገብሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እዚ ንምፍፃም ህዝብን ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ንዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ አመስጊኖም።
ኣዋጅ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ብኣግባቡ ብምምራሕ ክብርን ረብሓን ዜጋታት ዘረጋግፅ እዩ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል
Jul 2, 2025 62
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /25/2017(ኢዜኣ) ኣዋጅ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝግበሩ ወፍርታት ስራሕ ብኣግባቡ ብምምራሕ ክብርን ረብሓን ዜጋታት ምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ መበል 41 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣዋጅ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር መርሚሩ ኣፅዲቑ። እቲ ኣዋጅ፤ ዜጋታት መሰሎም፣ድሕንነቶምን ክብሮምን ንክሕለው ዝገብር ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ክትረኽቦ ዝግባእ ብሄራዊ ረብሓ ንክትረክብ ዘኽእል እዩ። ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ንኢዜኣ ከምዝበልኦ፤ እቲ ኣዋጅ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ዝምልከት ዝርዝር ድንጋገታት ዝሓቖፈ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ትኹረት ካብ ዝተገበረሎም ጉዳያት ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ኣዋጅ እውን እዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ኢለን። እቲ ኣዋጅ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ኣብ ምትራፍ ርኡይ እጃም ከምዘለዎ ብግላፅ፤ ኣብ ወፃኢ ሃገራ ንምስራሕ ዝደልዩ ዜጋታት ክብሮምን ረብሐኦምን ተሓልዩ ብሕጋዊ መንገዲ ንክኸዱ ከምዝገብር እውን ተዛሪበን። ብተወሳኺ እውን ኣብ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ክዋፈር ዝኽእል ዜጋ እቲ መደብ ስራሕ ዝሓቶ ምድላው ትምህርቲ፣ፍልጠት፣ልምዲ ስራሕን ሞያን ንክህልዎ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣረዲአን። ጠንካራ ዝኾነ ስርዓት ምዘናን ብቕዓትን ወሳኒ ጉዳይ እዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ ዜጋታት ብዓርሶም ምትእምማኖምን ናይ ምድርዳር ዓቕሞምን ንክዓቢ ኣብ ምግባር እቲ ኣዋጅ ዓብይ እጃም ኣለዎ ኢለን። እቲ ኣዋጅ፤ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ጠንካራ ኣወዳድባን ስርዓት ኣሰራርሓን ንክህልዎም ከምዝገብር እውን ገሊፀን። ኣዋጅ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ብኣግባቡ ብምምራሕ ክብርን ረብሓን ዜጋታት ዘረጋግፅ እዩ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /25/2017(ኢዜኣ) ኣዋጅ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝግበሩ ወፍርታት ስራሕ ብኣግባቡ ብምምራሕ ክብርን ረብሓን ዜጋታት ምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ መበል 41 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣዋጅ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር መርሚሩ ኣፅዲቑ። እቲ ኣዋጅ፤ ዜጋታት መሰሎም፣ድሕንነቶምን ክብሮምን ንክሕለው ዝገብር ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ክትረኽቦ ዝግባእ ብሄራዊ ረብሓ ንክትረክብ ዘኽእል እዩ። ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ንኢዜኣ ከምዝበልኦ፤ እቲ ኣዋጅ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ዝምልከት ዝርዝር ድንጋገታት ዝሓቖፈ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ትኹረት ካብ ዝተገበረሎም ጉዳያት ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ኣዋጅ እውን እዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ኢለን። እቲ ኣዋጅ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ኣብ ምትራፍ ርኡይ እጃም ከምዘለዎ ብግላፅ፤ ኣብ ወፃኢ ሃገራ ንምስራሕ ዝደልዩ ዜጋታት ክብሮምን ረብሐኦምን ተሓልዩ ብሕጋዊ መንገዲ ንክኸዱ ከምዝገብር እውን ተዛሪበን። ብተወሳኺ እውን ኣብ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ክዋፈር ዝኽእል ዜጋ እቲ መደብ ስራሕ ዝሓቶ ምድላው ትምህርቲ፣ፍልጠት፣ልምዲ ስራሕን ሞያን ንክህልዎ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣረዲአን። ጠንካራ ዝኾነ ስርዓት ምዘናን ብቕዓትን ወሳኒ ጉዳይ እዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ ዜጋታት ብዓርሶም ምትእምማኖምን ናይ ምድርዳር ዓቕሞምን ንክዓቢ ኣብ ምግባር እቲ ኣዋጅ ዓብይ እጃም ኣለዎ ኢለን። እቲ ኣዋጅ፤ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ጠንካራ ኣወዳድባን ስርዓት ኣሰራርሓን ንክህልዎም ከምዝገብር እውን ገሊፀን።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንኩለን ሃገራት መርኣያ ዝኸውን እዩ-ምክትል ፕሬዝዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ
Jun 28, 2025 140
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 21/2017(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ተግባራዊ ምላሽ ብምሃብ ንኩለን ሃገራት መርኣያ ዝኸውን እዩ ክብሉ ምክትል ፕሬዝዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ ገሊፆም። ምክትል ፕሬዝዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ፤ “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተኻየደ ምጅማር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ኣብ መልእኽቶም እውን ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ዓብይ ኣስተዋፅኦ ኣብ ዘበርክት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተመዝግቦ ዘላ ለውጢ ንኢዶም። ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ልዑል ስግኣት ሓደጋ ዝፈጠረን ተግባራዊ ስጉምቲ ዘድልዮን ሓባራዊ ጉዳይና እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ፕሬዝዳንት፤ ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ነቲ ፀገም ተግባራዊ ምላሽ ብምሃብ ኣብነት ዝኸውን ስራሕ ከምዘሳለጠት ተዛሪቦም። እዚ ድማ ራእን ቆራፅነትን ኢትዮጵያ ዘርኢ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ኣብ ኣፍሪካ ልዑል ቁፅሪ ህዝቢ ዝሓዛ ሃገራት ከምዝኾና ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ሕልሚ ሒዘን ንዝሓሸ ዕድል ኣፍሪካ ክሰርሓ ከምዝግባእ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ካብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት እቶም 70 ሚኢታዊ ዕድሚኦም ትሕቲ 25 ዓመት ምዃኑ ድማ ዓብዪ ዕድል እዩ ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንክዕወት ኣብ ምግባር መርኣያ ዘበናዊ ኣመራርሓ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
ናይ ሎሚ ዘበን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር "ብምትካል ምንስርራእ" ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣለዎ -ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 28, 2025 92
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/21/ 2017 /ኢዜኣ/ናይ ሎሚ ዘበን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር "ብምትካል ምንስርራእ" ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣለዎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንልእልና ኢትዮጵያ መርኣያ ኣብ ዝኾነ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ንኸረባረብ ዓዲሞም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ዘበን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር "ብምትካል ምንስርራእ" ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም። ሎሚ ዘበን ምስ ዝትከል ፈልሲ ሓዊስካ ኣስታት 47 ነጥቢ 5 ቢሊየን ከምዝበፅሕ ገሊፆም ምስ ዝመፅእ ዓመት ዝትከል ሓዊስካ 54 ቢሊየን ክበፅሕ ከምዝኽእል ድማ ተዛሪቦም። በቲ መርሃ ግብሪ ዝኣመንኩም፣ ዝተሳተፍኩም ኢድኩም ጭቃ ዝለኸየ፤ ዝተኸልኩም ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ኢትዮጵያ እትርከቡ ዲፕሎማሰኛታት፣ ነዚ ሕልሚ ዝደገፍኩም ኩልኹም እንኳዕ አሐጎሰኩም ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ካብ ሎሚ ጀሚሩ በቢዕለቱ ልዕልና ኢትዮጵያ መርኣያ ኣብ ዝኾነ መርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ሕብረተሰብን ዲፕሎማሰኛታት ማሕበረሰብን ንክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እቲ ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ዓወታት ንክምዝገቡ ኣኽኢሉ እዩ-ኣይተ ማሞ ምህረተ
Jun 27, 2025 124
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 20/2017(ኢዜኣ) እቲ ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ዓወታት ንክምዝገቡ ከምዘኽኣለ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረተ ገሊፆም። እቲ ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዋናነት ዝተረጋግዐ ኢኮኖሚ ምፍጣር ቀንዲ ዕላምኡ ገይሩ ናብ ተግባር ከምዝኣተወ እውን ተዛሪቦም። ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ምዕባይ፣ፅልዋ ዕዳ ምቅላል፣ዘበናዊ ፖሊሲ ገንዘብ ተግባራዊ ብምግባር ምኽባር ዋጋ ምርግጋዕ፣ንነዊሕ እዋን ሱር ሰዲዱ ዝፀንሐ ፀገም ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ምፍታሕን ዓውዲ ፋይናንስ ጥዕና ዘለዎ ንክኸው ምግባርን ቀንዲ ዕላማታት እቲ መመሓየሺ እዮም ኢሎም። ኣብ ተግባራዊነት እቲ መመሓየሺ ዝነኣድን ታሪኻውን ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ዝገለፁ አይተ ማሞ ምህረቱ፤ እዚ ብግልፂ ዝረአ ውፅኢት ብመንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ መመሓየሺ ዝድግፍዎ ከም ትካል ገንዘብ ዓለም ዝበሉ ዓለም ለኸ ትካላት እውን ዝመስከርሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም። በቲ ተመሓይሹ ዝወፀ ኣዋጅ ብሄራዊ ባንኪ ቁልፊ ተግባራት እቲ ባንኪ ዘበናዊ ፖሊሲ ገንዘብ ብምፍጣር ዋጋ ምርግጋዕ ከምዝኾነ ብግልፂ ከምዝተቐመጠ ኣረዲኦም። ኣብዚ መመሓየሺ ፖሊሲ ገንዘብ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣሰራርሓ ተመን ብሄራዊ ባንኪ ንክጅመር ከምዝተገበረ እውን ፀሪሖም። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ኢኮኖሚ ዝዘዋወር ገንዘብ ብምቁፅፃር ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲኣ ምጥንኻር ዘኸእል ውፂኢታዊ ተሳትፎ ገይረ -ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ
Jun 26, 2025 144
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/19/2017 /ኢዜኣ/ ኣሰናዳነት ኣንጎላ ዝተዳለወ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲኣ ምጥንኻር ዘኸእል ውፂኢታዊ ተሳትፎ ገይረ ክብል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢገሊፁ፡፡ መበል 17 ጉባኤ ቢዝስ ኣፍሪካ ኣሜሪካ ትማሊ ተዛዚሙ ፡፡ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካ እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ከምዝበልዎ÷ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ዝተሰነየ ቢዝነስ ዲፕሎማሲ ተጠናኽር ኣላ፡፡ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ኣንጎላን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካን ጆ ሌሬንሶን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ማሳድ ቦሎስን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ካውንስል ኮርፓሬት ኣፍሪካ ፍሎሪ ሊዘር ምዝታዮም ሓቢሮም። ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ብዝነበሩ ዝተፈላለዩ መድረኻት ፕሬዚዳንት ታዬ ሓዊሱ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብሩክ ታዬ (ዶ/ር)ን ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር)ን ተሳትፎ ብምግባር ቅዋም ኢትዮጵያ ምርኣይ ተኻኢሉ ኢሎም፡፡ ብፍላይ ንኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምችውቲ ምዃና ዘርኣየቶ፣ ናይ’ቲ ዓውዲ ፖሊሲ ማዕቀፍ ዘፋለጠትሉ፣ ኣፍሪካውያን ኣሜሪካውያን ቢዝነስ ምትእስሳር እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ራእይ ዘካፈለትሉ መድረኻት ምዃኖም ሓቢሮም፡፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስን ኣሜሪካ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ዝተፈረመ መረዳድኢ ሰነድ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝጀመረቶም ሰፋሕቲ ስራሕቲ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ምስ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ብምትእስሳር ኢትዮጵያ ንቢዝነስ ዲፕሎማሲ ዝሃበቶ ትኹረት ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡ ኢትዮጵያ መበል 10ይ ጉባኤ አፍሪካ-አሜሪካ ምድላዋ ይዝከር።
ኣብ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ፍርያትን መፍረያይነትን ዘዕቢ ሓበሬታ ተበፃሒ ምግባር ሓርበኝነት እዩ-ሚኒስትር መላኩ ኣለበል
Jun 25, 2025 121
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 18/2017(ኢዜኣ) ኣበ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ልኣላዊነት ኢኮኖሚ ዘረጋግፅ ሓበሬታ ተበፃሒ ምግባር ሓርበኝነት ከምዝኾነ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም። ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ንዕዉትነት ዓመታዊ ኤክስፖ 2017 ዓ/ም ኢትዮጵያ ተፍርን ዓለም ለኸ ጉባኤ ካብ ጥሜት ነፃ ዓለምን ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ትካላት ሚድያ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ የሳልጥ ኣሎ። ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓለም ለኸ ጉባኤ ካብ ጥሜት ነፃ ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ መፍረያይ ኢንዱስትርን ዓውዲ ግብርናን ዘለዋ ዓቕሚ ንዓለም ዘርኣየትሉ ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ጉባኤታት ናይ ምክያድ ዝተማልአ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘመስከረትሉ እዩ። ዓመታዊ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ 2017 ዓ/ም ንሳልሳይ ግዜ ዝተኻየደን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተኻየዱ ብዓይነትን መጠንን ልዑል ምትእስሳር ዕዳጋ ዝተፈጠረሉን ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። እቲ ኤክስፖ ኣካል ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ከምዝኾነ ብምሓባር፤ እቲ ጎስጓስ ዓቕሚ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ብምዕባይ እታ ሃገር ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ተወዳዳሪነት ንምዕባይ ዘኽእል እዩ ኢሎም። ንዕዉትነት ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍርን እቲ ጎስጓስን ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ጉባኤ ካብ ጥሜት ነፃ ዓለም ዓውዲ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ተዛሪቦም። ኣብ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ልኣላዊነት ኢኮኖሚ ዘረጋግፅ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ሓርበኝነት እዚ ዘበን እዩ ኢሎም ሚኒስትር መላኩ ኣለበል።
ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ዲፕሎማሲ ቢዝነስ ንምጥንኻር ቆራፅ እያ-ኣምባሳደር ትሮይ ፊትረል
Jun 24, 2025 101
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 17/2017 (ኢዜኣ) ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ዲፕሎማሲ ቢዝነስ ኣብ ዘበነ ምምሕዳር ትራምፕ እውን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምትሰርሕ ኣብ ቤት ዕዮ ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ላዕለዋይ ሓላፊ ስራሕ ቢሮ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ትሮይ ፊትረል ገሊፆም። ኣምባሳደር ትሮይ ፊትረል ኣብ ዋና ከተማ ኣንጎላ ሉዋንዳ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካ-ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ሃገሮም ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ክትሰርሕ እያ። ኣብ ቀረባ እውን ኣሜሪካ ንኣፍሪካ ዝምልከት እትኽተሎ ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ዲፕሎማሲ ቢዝነስ መሰረት ዝገበረ ንክኸውን ብዝተቐመጠ ኣንፈት ኣብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣሜሪካ በዚ መሰረት እናተንቀሳቐሱ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። ኣብዚ ጉዳይ መመሓየሽታት ኣሰራርሓ ክሳብ ምግባር ዝበፅሕ ውሳነ ከምዝተመሓላለፈ እውን ፀሪሖም። ጎና ጎኒ እውን ኣብ ዓውዲ ንግዲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘለዉ ተዋሳእቲ ተረባሕቲ ንምግባር ብምሕሳብ እቲ ሓባራዊ ዕዳጋ እንታይ ዓይነት ለውጢ ከምዘድልዮ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብቐረባ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም። ብፍላይ ድማ እቲ ምትእስሳር ንግዲ ንምጥንኻር ድሕሪ ሕዚ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣሜሪካ ናብ ኣፍሪካ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ተወከልቲ ቢዝነስ እውን ሓቢሮምዎም ንክለኣኹን ዝተፈላለዩ ድርድራት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንክገብሩን ከምዝስራሕ ተዛሪቦም። ስራሕ ንግድን ኢንቨስትመንትን ኣሜሪካ ንኣፍሪካ ከምዝጠቅም ብምግላፅ፤ እዚ ስራሕ ኣሜሪካ ብማእኸላይ ኣብ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታትን ፈጠራ ስራሕን ጠመተ ዝገብር ከምዝኾነ ምግላፆም ኢዜኣ ካብቲ ስፍራ ፀብፂቡ።
ምትሕብባር ውልቀ ዘፈር ኣፍሪካን ኣሜሪካን ንሓበራዊ ብልፅግና ወሳኒ እዩ-ሕብረት ኣፍሪካ
Jun 24, 2025 80
አዲስ አበባ/ ሰነ/ 17/2017(ኢዜአ)፦ምትሕብባር ውልቀ ዘፈር ኣፍሪካን ኣሜሪካን ንሓበራዊ ብልፅግና ወሳኒ እዩ ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ሞሃመድ አሊ የሱፍ ተዛሪቦም። ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ካብ እቲ ስፍራ ከምዝፀብፀቦ እቶም ኣቦመንበር ኣብ ኣንጎላ ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ምትሕብባር ኢንቨስትመንትን ንግድን ኣፍሪካ ክሕይል ኣለዎ ኢሎም ። ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘሎ ምትእስሳር ቢዝነስ ሓበራዊብልፅግና ንምርግጋፅ ወሳኒ ምኹኑ ኣልዒሎም። ኩባንያታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኢንቨስትመንት ንክዋፈሩ ሓቲቶም ፤ኣብ እዚ ሓዚ እዋን ድማ ካብ ዝርርብ ሓሊፉ ንኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ሓበራዊ ፃዕርን ተግባርን ከምዘድሊ ኣመልኪቶም ።
ግልገል ጊቤ ሰለስተ ኣብዚ ዓመት 7 ሽሕ ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ክኢሉ እዩ
Jun 23, 2025 115
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /16/2017 (ኢዜኣ) ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ግልገል ጊቤ ሰለስተ ኣብዚ ዓመት 7 ሽሕ ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘፈልፈለን ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ኣብ ምስላጥ ዓብይ እጃም ከምዘበርከተመን መካየዲ ስራሕ እቲ ግድብ ሃብታሙ ሰሙ ገሊፆም። መካየዲ ስራሕ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ግልገል ጊቤ ሰለስተ ሃብታሙ ሰሙ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ ግድብ ኬንያ ሓዊሱ ንሃገራት እቲ ዞባ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ ዓብይ ኣስተዋጸኦ እናበርከተ እዩ። እቲ ግድብ ኣብ 2009 ዓ/ም ተዛዚሙ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ እውን ኣዘኻኺሮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ልዑል ብፅሒት ብምሓዝ ንኢኮኖሚ እታ ሃገር ኣወንታዊ እጃም እናበርከተ ዝርከብ ዓብይ ፕሮጀክት እዩ ኢሎም። እቲ ግድብ 1 ሽሕን 870 ሜጋ ዋት ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ዘለዎ እንትኸውን ካብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ቀፂሉ እቲ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ከይዲ ስራሕ እቲ ግድብ እውን ብብቑዓት ሰብ ሞያ ኢትዮጵያውያን እናተመርሐ ከምዝርከብ ኣብራህሪሆም። ግልገል ጊቤ ሰለስተ እናዓበየ ንዘሎ ሃገራዊ ድሌት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምላሽ ኣብ ምሃብ ዓብይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ኣብዚ ዓመት እውን 7 ሽሕ ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ብምፍልፋል ኣብ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ርኡይ እጃም እናተፃወተ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኣብ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ካብ ንግዲ ወጻኢ ልዕሊ 7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ
Jun 19, 2025 85
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /12/2017 (ኢዜኣ) ኣብ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ካብ ንግዲ ወጻኢ 7 ነጥቢ 21 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ። መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ዘትዩ። ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ በጀት ዓመት ኣብ ታሪኽ ንግዲ ወጻኢ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣታዊ ተረኺቡ። ካብ ጠቕላላ ንግዲ ወጻኢ 4 ነጥቢ 59 ቢልዮን ዶላር ንምርካብ ተተሊሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ኣፈፃፅማ ልዕሊ እቲ ትልሚ 7 ነጥቢ 21 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ እቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝርከብ ትፅቢት ይግበር እውን ኢሎም። ኣብ 11 ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ካብ ንግዲ ወጻኢ ዝተረኸበ ምስ በጀት ዓመት 2016 እንትነፃፀር ልዕሊ 3 ነጥቢ 96 ቢልዮን ዶላር ወሰኽ ከምዘርኣየ ተዛሪቦም። ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ካብ ዝኾኑ ኢኮኖሚያዊ ውፅኢታት ዓውዲ ንግዲ ወጻኢ ልዑል ኣፈፃፅማ እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ኣብ ንግዲ ወጻኢ ምችው ምህዳር ምፍጣሩ፣ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት ሕግን ኣሰራርሓን ምፍትሖም፣ምስ ለኣኽትን መዳርግቲ ኣካላትን ብዝሓሸ ምውዳድ ስለዝተሰርሐ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ልዑል ኣታዊ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ገሊጾም።
ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር-ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ
Jun 18, 2025 84
ኣዲስ ኣበባ /11/2017/ኢዜኣ/ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር ክብል ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ኣብዚ ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ምክትል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣሳምነው ተሾመ (ዶ/ር) ሓቢሮም። ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ሓምለን ነሓሰን ትፅቢት ዝግበር ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ንስራሕ ልምዓት ግብርና እቲ ሓረስታይ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም። እቲ ትካል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምዃን ውሕጅ ከጥቀዖም ዝኽእሉ ቦታታት ብምፍላይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እቲ ሓረስታይ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ጥንቃቐ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ዘበነ ፍርያት 2017/18 ዓ/ም 21 ሚልዮን ኩንታል መዳበሪያ ሓመድ ናብ ኢትዮጵያ ተጎዓዒዙ ብመሰረታዊ ማሕበራት ኣቢሉ ንሓረስታይ ንኸከፋፈል እናተገበረ እዩ ። ትልሚ መፍረያይነት ዝራእቲ ዘበነ ፍርያት 2016/17 መበገሲ ብምግባር ዝሓሸ ልምዓት ግብርና ንምስላጥ ዘኽእል ምድላው እናተገበረ ከምዝርከብ ተፈሊጡ ኣሎ። ተበግሶ ልምዓት ግብርና ሓረስቶት ብምዕባይ 20 ነጥቢ 43 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ብምሽፋን ልዕሊ 650 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብሃገር ደረጃ ትልሚ ምህላዉ ኣመልኪቶም ።