ሎሚ ዘበን 37 ቶን ወርቂ ንዕዳጋ ወፃኢ ቀሪቡ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሎሚ ዘበን 37 ቶን ወርቂ ንዕዳጋ ወፃኢ ቀሪቡ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /26/2017(ኢዜኣ) ሎሚ ዘበን 37 ቶን ወርቂ ንዕዳጋ ወፃኢ ከምዝቐረበ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 42 ስሩዕ ኣኼብኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ የካይድ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ትልሚ ኣፈፃፅማ 2017 መንግስቲ ዝምልከት ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ምላሽን መብራህርን እናሀቡ እዮም ዝርከቡ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መዓድን ብዝምልከት ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብራህርህን፤ ሎሚ ዘበን ንዓውዲ መዓድን ዝተውሃበ ትኹረት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ንምድጋፍ ኣኽኢሉ እዩ ኢሎም።
ኣብ በጀት ዓመት 2016 4 ቶን ወርቂ ንዕዳጋ ወጻኢ ብምቕራብ 300 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ብምሕባር፤ ኣብዚ ዓመት ምስዝተረኸበ ኣታዊ እንትነፃፀር ልዑል ለውጢ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን ሎሚ ዘበን 37 ቶን ወርቂ ንዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብ 3 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ኣታዊት ከምዝተረኸበ ኣፍሊጦም።