ኣዋጅ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ብኣግባቡ ብምምራሕ ክብርን ረብሓን ዜጋታት ዘረጋግፅ እዩ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /25/2017(ኢዜኣ) ኣዋጅ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝግበሩ ወፍርታት ስራሕ ብኣግባቡ ብምምራሕ ክብርን ረብሓን ዜጋታት ምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ መበል 41 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣዋጅ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር መርሚሩ ኣፅዲቑ።

እቲ ኣዋጅ፤ ዜጋታት መሰሎም፣ድሕንነቶምን ክብሮምን ንክሕለው ዝገብር ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ክትረኽቦ ዝግባእ ብሄራዊ ረብሓ ንክትረክብ ዘኽእል እዩ።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ንኢዜኣ ከምዝበልኦ፤ እቲ ኣዋጅ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ዝምልከት ዝርዝር ድንጋገታት ዝሓቖፈ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ትኹረት ካብ ዝተገበረሎም ጉዳያት ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ኣዋጅ እውን እዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ኢለን።

እቲ ኣዋጅ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ኣብ ምትራፍ ርኡይ እጃም ከምዘለዎ ብግላፅ፤ ኣብ ወፃኢ ሃገራ ንምስራሕ ዝደልዩ ዜጋታት ክብሮምን ረብሐኦምን ተሓልዩ ብሕጋዊ መንገዲ ንክኸዱ ከምዝገብር እውን ተዛሪበን።

ብተወሳኺ እውን ኣብ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ክዋፈር ዝኽእል ዜጋ እቲ መደብ ስራሕ ዝሓቶ ምድላው ትምህርቲ፣ፍልጠት፣ልምዲ ስራሕን ሞያን ንክህልዎ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣረዲአን።

ጠንካራ ዝኾነ ስርዓት ምዘናን ብቕዓትን ወሳኒ ጉዳይ እዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ ዜጋታት ብዓርሶም ምትእምማኖምን ናይ ምድርዳር ዓቕሞምን ንክዓቢ ኣብ ምግባር እቲ ኣዋጅ ዓብይ እጃም ኣለዎ ኢለን።

እቲ ኣዋጅ፤ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ጠንካራ ኣወዳድባን ስርዓት ኣሰራርሓን ንክህልዎም ከምዝገብር እውን ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም