ኢትዮጵያ ብመዳይ ዘፈር ብዝሃ የኢኮኖሚ ኣብ ዝናኣድ ጎደና ለውጢ ትርከብ -ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዓሊ የሱፍ

አዲስ አበባ/ ሰነ/ 30/2017(ኢዜአ) ኢትዮጵያ ብመዳይ ዘፈር ብዝሃ የኢኮኖሚ ኣብ ዝናኣድ ጎደና ለውጢ ትርከብ ክብሉ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዓሊ የሱፍ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ብበሳል ኣመራርሓ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ኣብ ዘድንቐ ጎደና ለውጢ ትርከብ ክብሉ ተዛሪቦም  

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣይ ለውጢ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዘነቓቕሕ ተግባር እዩ ዝበሉ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ከምዚ ኣብ ዝበለ ጎደና ለውጢ ኮይና ምርኣይ ንኩላትና ታሕጓስ ዝህብ ኢዩ እውን ኢሎም።

ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብ ዝተጀመረ ጉባኤ ዕድል ስራሕ ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወሰኑ ርሕቐታት ምንቅስቓስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ብግልፂ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝረኣይ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ኮነ ሓፈሻዊ ምምሕያሽ ኣመራርሓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ልዑል ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዘነቓቕሕ ተግባር ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።

ትግበራ ናፃ ንግዲ ዞባ ኣፍሪካ ብምጥንኻር ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብምዕባይ ኣህጉራዊ ልምዓት ምጥንኻር ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ እውን ኣብዚ መዳይ መናእሰያታ ፍልጠትን ክእለትን ቴክኖሎጂ ንክጭብጡ ብስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ ብርቱዕ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ፎረም፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀመድ ዓሊ የሱፍ፣ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፣ሚኒስትራት ሃገራት ኣፍሪካ፣ሰብ ሞያ ፈጠራ፣ፈጠርቲ ስራሕ፣ሙሁራን እቲ ዓውድን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።

ኢትዮጵያ በብዝሃ የኢኮኖሚ ዘርፍ በአስደናቂ የለውጥ ጎዳና ላይ ትገኛለች - የአፍሪካ ህብረት ኮሚሽን ሊቀመንበር መሀመድ አሊ የሱፍ

ኢትዮጵያ ብመዳይ ዘፈር ብዝሃ የኢኮኖሚ ኣብ ዝናኣድ ጎደና ለውጢ ትርከብ -ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዓሊ የሱፍ

አዲስ አበባ/ ሰነ/ 30/2017(ኢዜአ) ኢትዮጵያ ብመዳይ ዘፈር ብዝሃ የኢኮኖሚ ኣብ ዝናኣድ ጎደና ለውጢ ትርከብ ክብሉ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዓሊ የሱፍ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ብበሳል ኣመራርሓ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ኣብ ዘድንቐ ጎደና ለውጢ ትርከብ ክብሉ ተዛሪቦም  

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም