ረቂቕ በጀት 2018 በጀት ዓመት 1 ነጥቢ 93 ትሪልዮን ብር ኮይኑ ፀዲቑ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 26/2017(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ በጀት መንግስቲ ፌዴራል  2018 / ኣፅዲቑ።

ኣብቲ ኣኼባ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣በጀትን ፋይናንስን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ደሳለኝ ወዳጄ ሓሳብ ውሳነን ፀብፃብን ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2018 / ኣቕሪቦም።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ሓሳብ ውሳነ ብምምርማር ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2018 / ኣፅዲቑ።

ኣብቲ ፀብፃብ፤ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ቀፃሊ በጀት ዓመት 1 ነጥቢ 93 ትሪልዮን ብር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብቲ ረቂቕ በጀት 1 ነጥቢ 2 ትሪልዮን ብር ንስሩዕ ወጻኢ፣415 ቢልዮን ብር ንካፒታል ወፃኢ፣315 ቢልዮን ብር ንደገፍ መንግስትታት ክልል ከምኡ እውን 14 ቢልዮን ብር ንመፈፀሚ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ክልላት ደገፍ ዝውዕል እዩ።

ካብቲ ረቂቕ በጀት 1 ትሪልዮን ብር ወይ ድማ 73 ሚኢታዊ ካብ ኣታዊ ታክስ፣236 ቢልዮን ብር ካብ መሓዙት ልምዓት እቲ ዝተረፈ ድማ ካብ ደገፍ ፕሮጀክትታትን ዝተፈላለዩ ኣታዊታትን ንምርካብ ከምዝተተለመ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ረቂቕ በጀት ብኣንፃር ጥሙር ሃገራዊ ፍርያት ዘይተፃረየ ጉድለት በጀት 2 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ዝተፃረየ ጉድለት በጀት 1 ሚኢታዊ ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ ይገልፅ።

መንግስቲ፤ እቲ ጉድለት በጀት ብቀጥታ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ልቓሕ ብምውሳድ ዘይኮነስ ብሰነድ መሸጣ ግምጃ ቤት ከምዝሽፍን እውን ተፀሪሑ።

ረቂቕ በጀት 2018 ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖምን ትልሚ ልምዓት መሪሕ 10 ዓመትን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ኣብቲ ፀብፃብ ቀሪቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም