ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ መሪሕ ሓቛፊ ልምዓትን ክእለትን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብምትግባር መሪሕ እጀማ እናተዋፅአት እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ መሪሕ ሓቛፊ ልምዓትን ክእለትን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብምትግባር መሪሕ እጀማ እናተዋፅአት እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /30 /2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ መሪሕ ሓቛፊ ልምዓትን ክእለትን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብምትግባር መሪሕ እጀማ እናተዋፅአት ከምዝኾነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ኣብታ ኣህጉር ኩለመዳያዊ ብልፅግናን ነዚ ዘበን ዝምጥን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ምርግጋፅ ንፅባሕ ዘይበሃል ሓባራዊ ስራሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝበሉ ኣብ መበል 3ይ ፎረም ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ እዩ።
ኣህጉር መናእሰይ ዝኾነት ኣፍሪካ እናዓበየት እያ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መናእሰይ ሓይሊ ዕቤታን ተስፋ ፅባሓን እዮም ኢሎም።
ብሃገር ቦቆል መመሓሺ ኢኮኖሚን ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ኣብ ዝጭበጥ ህንፀት ሓይሊ ሰብ፣ፈጠራ ዕድል ስራሕን ጠንካራ ህንፀት ኢኮኖምን ከምትርከብ እውን ገሊፆም።
ኢንዱስትሪ ኣብ ምስፍሕፋሕ እውን እቲ ሓረስታይ ንፍርያታት ፀጋ እናወሰኸ ናብ ዕዳጋ ንከቕርብ እናተገበረ ከምዝኾነ ፀሪሖም።
ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 40 ቢልዮን ፈልስታት ካብ ምትካል ብተወሳኺ ዜጋታት ኣብ ገጠርን ከተማን ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ከምዝተቐላጠፈ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ዘበን ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎን ፈጠራን እቲ ነባር ባህሊ ስራሕ እናቐየርዎ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣብዚ መዳይ ኣፍሪካውያን ነዚ ዘበን ዝምጥን ምድላው ክንገብር ኣለና ኢሎም።
ኢትዮጵያ እውን ኣብዚ መዳይ መናእሰያታ ፍልጠትን ክእለትን ቴክኖሎጂ ንክጭብጡ ብስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ ብርቱዕ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ፎረም፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሀመድ ዓሊ የሱፍ፣ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፣ሚኒስትራት ሃገራት ኣፍሪካ፣ሰብ ሞያ ፈጠራ፣ፈጠርቲ ስራሕ፣ሙሁራን እቲ ዓውድን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።