ናይ ሎሚ ዘበን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር "ብምትካል ምንስርራእ" ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣለዎ -ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/21/ 2017 /ኢዜኣ/ናይ ሎሚ ዘበን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር "ብምትካል ምንስርራእ" ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣለዎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ገሊፆም

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ንልእልና ኢትዮጵያ መርኣያ ኣብ ዝኾነ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ንኸረባረብ ዓዲሞም።

 ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/)ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ዘበን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር "ብምትካል ምንስርራእ" ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም

ሎሚ ዘበን  ምስ ዝትከል ፈልሲ ሓዊስካ ኣስታት 47 ነጥቢ 5 ቢሊየን ከምዝበፅሕ ገሊፆም ምስ ዝመፅእ ዓመት ዝትከል ሓዊስካ 54 ቢሊየን ክበፅሕ ከምዝኽእል ድማ ተዛሪቦም።

በቲ መርሃ ግብሪ ዝኣመንኩም፣ ዝተሳተፍኩም ኢድኩም ጭቃ ዝለኸየ፤ ዝተኸልኩም ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ኢትዮጵያ እትርከቡ ዲፕሎማሰኛታት፣ ነዚ ሕልሚ ዝደገፍኩም ኩልኹም እንኳዕ አሐጎሰኩም ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (/) ካብ ሎሚ ጀሚሩ በቢዕለቱ ልዕልና ኢትዮጵያ  መርኣያ ኣብ ዝኾነ መርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ሕብረተሰብን ዲፕሎማሰኛታት ማሕበረሰብን ንክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም