ዓቕሚ ምፍራይ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓሚ ካብ ዝነበሮ 59 ሚኢታዊ ኣብዚ ዓመት 65 ሚኢታዊ በፂሑ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ዓቕሚ ምፍራይ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓሚ ካብ ዝነበሮ 59 ሚኢታዊ ኣብዚ ዓመት 65 ሚኢታዊ በፂሑ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 26/2017(ኢዜኣ) ዓቕሚ ምፍራይ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓሚ ካብ ዝነበሮ 59 ሚኢታዊ ኣብዚ ዓመት 65 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኢንዱስትሪ ዝምልከት ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ምላሽን መብራህርህን ሂቦም።
ኣብ መብራህሪህኦም እውን፤ ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ሎሚ ዘበን ከባቢ 12 ሚኢታዊ ዕቤት ንምምፃእ ተተሊሙ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ፀሪሖም።
ኢትዮጵያ ተፍሪ ብዝብል ጎስጓስ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ብምግላፅ፤ ስለዝኾነ ድማ ዓቕሚ ምፍራይ ዓሚ 59 ሚኢታዊ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር ኣብዚ ዓመት 65 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ገሊፆም።
እዚ ድማ ኣጠቓቕማ ምፍራይ ፋብሪካታት ብምዕባይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብዚ ዓመት ድሌት ሓይሊ ኢንዱስትሪ 40 ሚኢታዊ ከምዝበፀሕ ኣረዲኦም።
እዚ ዓብይ ዕድል እዩ፤ ፍርያት ሲሚንቶ ወሲኹ እዩ፤ ኣብ ውፅኢታት ሓፂነ መፂን 18 ሚኢታዊ ተመዝጊቡ እዩ እውን ኢሎም።
ኢትዮጵያ ዓቕሚ ምፍራይ ሓፂነ መፂን ከምዝሃነፀት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ድሌት ሓፂነ መፂን ሙሉእ ብሙሉእ ምምላእ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተጀመሩ ተዛሪቦም።
ፋብሪካ ምስትያት ኣብ ዓመት ከባቢ 600 ሽሕ ቶን ዘፍሪ እናተሃነፀ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ብዝኾነ ረቛሒ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ታሕሳስ ወይ ድማ ጥሪ ከምዝዛዘም ብምግላፅ፤ ፍርያት ሶላር ዘፍርዩ ፋብሪካታት እናተሃነፁ ከምዝኾኑን ኣብ ቀረባ ከምዝምረቑን ከምኡ እውን ኢንዱስትሪ ንምንቕቓሕ እናሰራሕና ኢና ክብሉ ኣረዲኦም።