ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ዲፕሎማሲ ቢዝነስ ንምጥንኻር ቆራፅ እያ-ኣምባሳደር ትሮይ ፊትረል - ኢዜአ ትግርኛ
ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ዲፕሎማሲ ቢዝነስ ንምጥንኻር ቆራፅ እያ-ኣምባሳደር ትሮይ ፊትረል

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 17/2017 (ኢዜኣ) ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ዲፕሎማሲ ቢዝነስ ኣብ ዘበነ ምምሕዳር ትራምፕ እውን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምትሰርሕ ኣብ ቤት ዕዮ ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ላዕለዋይ ሓላፊ ስራሕ ቢሮ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ትሮይ ፊትረል ገሊፆም።
ኣምባሳደር ትሮይ ፊትረል ኣብ ዋና ከተማ ኣንጎላ ሉዋንዳ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካ-ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ሃገሮም ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ክትሰርሕ እያ።
ኣብ ቀረባ እውን ኣሜሪካ ንኣፍሪካ ዝምልከት እትኽተሎ ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ዲፕሎማሲ ቢዝነስ መሰረት ዝገበረ ንክኸውን ብዝተቐመጠ ኣንፈት ኣብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኣሜሪካ በዚ መሰረት እናተንቀሳቐሱ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ጉዳይ መመሓየሽታት ኣሰራርሓ ክሳብ ምግባር ዝበፅሕ ውሳነ ከምዝተመሓላለፈ እውን ፀሪሖም።
ጎና ጎኒ እውን ኣብ ዓውዲ ንግዲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘለዉ ተዋሳእቲ ተረባሕቲ ንምግባር ብምሕሳብ እቲ ሓባራዊ ዕዳጋ እንታይ ዓይነት ለውጢ ከምዘድልዮ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብቐረባ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
ብፍላይ ድማ እቲ ምትእስሳር ንግዲ ንምጥንኻር ድሕሪ ሕዚ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣሜሪካ ናብ ኣፍሪካ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ተወከልቲ ቢዝነስ እውን ሓቢሮምዎም ንክለኣኹን ዝተፈላለዩ ድርድራት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንክገብሩን ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።
ስራሕ ንግድን ኢንቨስትመንትን ኣሜሪካ ንኣፍሪካ ከምዝጠቅም ብምግላፅ፤ እዚ ስራሕ ኣሜሪካ ብማእኸላይ ኣብ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታትን ፈጠራ ስራሕን ጠመተ ዝገብር ከምዝኾነ ምግላፆም ኢዜኣ ካብቲ ስፍራ ፀብፂቡ።