እቲ ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ዓወታት ንክምዝገቡ ኣኽኢሉ እዩ-ኣይተ ማሞ ምህረተ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ዓወታት ንክምዝገቡ ኣኽኢሉ እዩ-ኣይተ ማሞ ምህረተ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 20/2017(ኢዜኣ) እቲ ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ዓወታት ንክምዝገቡ ከምዘኽኣለ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረተ ገሊፆም።
እቲ ዝተማልአ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዋናነት ዝተረጋግዐ ኢኮኖሚ ምፍጣር ቀንዲ ዕላምኡ ገይሩ ናብ ተግባር ከምዝኣተወ እውን ተዛሪቦም።
ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ምዕባይ፣ፅልዋ ዕዳ ምቅላል፣ዘበናዊ ፖሊሲ ገንዘብ ተግባራዊ ብምግባር ምኽባር ዋጋ ምርግጋዕ፣ንነዊሕ እዋን ሱር ሰዲዱ ዝፀንሐ ፀገም ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ምፍታሕን ዓውዲ ፋይናንስ ጥዕና ዘለዎ ንክኸው ምግባርን ቀንዲ ዕላማታት እቲ መመሓየሺ እዮም ኢሎም።
ኣብ ተግባራዊነት እቲ መመሓየሺ ዝነኣድን ታሪኻውን ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ዝገለፁ አይተ ማሞ ምህረቱ፤ እዚ ብግልፂ ዝረአ ውፅኢት ብመንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ መመሓየሺ ዝድግፍዎ ከም ትካል ገንዘብ ዓለም ዝበሉ ዓለም ለኸ ትካላት እውን ዝመስከርሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
በቲ ተመሓይሹ ዝወፀ ኣዋጅ ብሄራዊ ባንኪ ቁልፊ ተግባራት እቲ ባንኪ ዘበናዊ ፖሊሲ ገንዘብ ብምፍጣር ዋጋ ምርግጋዕ ከምዝኾነ ብግልፂ ከምዝተቐመጠ ኣረዲኦም።
ኣብዚ መመሓየሺ ፖሊሲ ገንዘብ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣሰራርሓ ተመን ብሄራዊ ባንኪ ንክጅመር ከምዝተገበረ እውን ፀሪሖም።
እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ኢኮኖሚ ዝዘዋወር ገንዘብ ብምቁፅፃር ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም።