ኣፍርያ ምብላዕ ዘይከኣለት ሃገር ብሄራዊ ረብሓታታ ንምርግጋፅ ትፅገም እያ ብዝብል ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ትልሚ ሒዝና ሰሪሕና ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፍርያ ምብላዕ ዘይከኣለት ሃገር ብሄራዊ ረብሓታታ ንምርግጋፅ ትፅገም እያ ብዝብል ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ትልሚ ሒዝና ሰሪሕና ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /26/2017(ኢዜኣ) ኣፍርያ ምብላዕ ዘይከኣለት ሃገር ብሄራዊ ረብሓታታ ንምርግጋፅ ትፅገም እያ ብዝብል ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ትልሚ ሒዝና ሰሪሕና ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ግብርና ዝምልከት ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ምላሽን መብራህርህን ሂቦም።
ኣብ መብራህሪህኦም እውን፤ ግብርና ዋልታ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ብምግላፅ ዋልታ ኣታዊ ንግዲ ወፃኢና እውን እዩ ኢሎም።
ግብርና ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቀጥታን ተዘዋዋርን ዝሳተፈሉ ዓውዲ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ግብርና ኣብዚ ዓመት 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ዕቤት ንከምፅእ ከምዝተተለመ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዓውዲ ግብርና ካብ ካልኦት ዓውድታት ፍሉይ ትኹረት ዝረኸበ ኢትዮጵያ ልኣላዊነት ምግቢ ክትረክብ ኣለዋን ኣፍርያ ምብላዕ ዘይከኣለት ሃገር ብሄራዊ ረብሓታታ ንምርግጋፅ ትፅገም እያን ብዝብል ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ትልሚ ሒዝና ሰሪሕና ኢና ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት 27 ሚልዮን ብሴፍቲኔት ዝመሓደሩ ዜጋታት ከምዝነበሩ ብምግላፅ፤ እዚኣቶም ካብ ሴፍቲኔት ንምሽግጋር እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ እውን ንነዊሕ ዘበን ብሴፍቲኔት ክመሓደሩ ዝፀንሑ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ዓርሶም ናብ ምምሕዳር ከምዝተሸጋገሩ ገሊፆም።
ብተወሳኺ እውን 23 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ካብ ተመፅዋታይነት ሴፍቲኔት ሓራ ከምዝወፁ እውን ፀሪሖም።
እዚ ድማ መርኣያ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ኩርዓት ክስመዐና ይግባእ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ዝተረፈ ከባቢ 4 ሚልዮን ተመፅዋታይ ሓራ ብምውፃእ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ልኣላዊነት ምግባ ዘረጋገፀት ሃገር ክንገብር ኣለና፤ ነዚ ድማ ሰፊሕ መሬት ኣለና ኢሎም።