ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲኣ ምጥንኻር ዘኸእል ውፂኢታዊ ተሳትፎ ገይረ -ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲኣ ምጥንኻር ዘኸእል ውፂኢታዊ ተሳትፎ ገይረ -ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/19/2017 /ኢዜኣ/ ኣሰናዳነት ኣንጎላ ዝተዳለወ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲኣ ምጥንኻር ዘኸእል ውፂኢታዊ ተሳትፎ ገይረ ክብል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢገሊፁ፡፡
መበል 17 ጉባኤ ቢዝስ ኣፍሪካ ኣሜሪካ ትማሊ ተዛዚሙ ፡፡
ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካ እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ከምዝበልዎ÷ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ዝተሰነየ ቢዝነስ ዲፕሎማሲ ተጠናኽር ኣላ፡፡
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ኣንጎላን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካን ጆ ሌሬንሶን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ማሳድ ቦሎስን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ካውንስል ኮርፓሬት ኣፍሪካ ፍሎሪ ሊዘር ምዝታዮም ሓቢሮም።
ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ብዝነበሩ ዝተፈላለዩ መድረኻት ፕሬዚዳንት ታዬ ሓዊሱ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብሩክ ታዬ (ዶ/ር)ን ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር)ን ተሳትፎ ብምግባር ቅዋም ኢትዮጵያ ምርኣይ ተኻኢሉ ኢሎም፡፡
ብፍላይ ንኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምችውቲ ምዃና ዘርኣየቶ፣ ናይ’ቲ ዓውዲ ፖሊሲ ማዕቀፍ ዘፋለጠትሉ፣ ኣፍሪካውያን ኣሜሪካውያን ቢዝነስ ምትእስሳር እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ራእይ ዘካፈለትሉ መድረኻት ምዃኖም ሓቢሮም፡፡
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስን ኣሜሪካ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ዝተፈረመ መረዳድኢ ሰነድ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝጀመረቶም ሰፋሕቲ ስራሕቲ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡
ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ምስ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ብምትእስሳር ኢትዮጵያ ንቢዝነስ ዲፕሎማሲ ዝሃበቶ ትኹረት ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡
ኢትዮጵያ መበል 10ይ ጉባኤ አፍሪካ-አሜሪካ ምድላዋ ይዝከር።