መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንኩለን ሃገራት መርኣያ ዝኸውን እዩ-ምክትል ፕሬዝዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንኩለን ሃገራት መርኣያ ዝኸውን እዩ-ምክትል ፕሬዝዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 21/2017(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ተግባራዊ ምላሽ ብምሃብ ንኩለን ሃገራት መርኣያ ዝኸውን እዩ ክብሉ ምክትል ፕሬዝዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ ገሊፆም።
ምክትል ፕሬዝዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ፤ “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተኻየደ ምጅማር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም እውን ኢትዮጵያ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ዓብይ ኣስተዋፅኦ ኣብ ዘበርክት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተመዝግቦ ዘላ ለውጢ ንኢዶም።
ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ልዑል ስግኣት ሓደጋ ዝፈጠረን ተግባራዊ ስጉምቲ ዘድልዮን ሓባራዊ ጉዳይና እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ፕሬዝዳንት፤ ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ነቲ ፀገም ተግባራዊ ምላሽ ብምሃብ ኣብነት ዝኸውን ስራሕ ከምዘሳለጠት ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ራእን ቆራፅነትን ኢትዮጵያ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ኣብ ኣፍሪካ ልዑል ቁፅሪ ህዝቢ ዝሓዛ ሃገራት ከምዝኾና ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ሕልሚ ሒዘን ንዝሓሸ ዕድል ኣፍሪካ ክሰርሓ ከምዝግባእ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ካብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት እቶም 70 ሚኢታዊ ዕድሚኦም ትሕቲ 25 ዓመት ምዃኑ ድማ ዓብዪ ዕድል እዩ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ንክዕወት ኣብ ምግባር መርኣያ ዘበናዊ ኣመራርሓ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።