ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን ፍሪያት ጋዝ ንመጀመሪያ እዋን ናብ ዕዳጋ ክተቕርብ ኢያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን ፍሪያት ጋዝ ንመጀመሪያ እዋን ናብ ዕዳጋ ክተቕርብ ኢያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2017 /ኢዜኣ/ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን ፍሪያት ጋዝ ንመጀመሪያ እዋን ናብ ዕዳጋ ክተቕርብ ኢያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ንጋዝ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብ እዋን ስርዓት ንጉስ ዛመነ ደርግን ኢህኣዴግን ጋዝ ንምውፃእ ፈተነታትን ዝርርባትን ስምምዕነታትን ምንዳሮም ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፍሪያት ጋዝ ዝዋፈሩ ኩባኒያታት ፍቓድ ኣውፂኦም ናብ ጭቡጥ ስራሕ ኣይኣትዉን ነይሮም፤ ሐዚ ግን እዚ ክመዓራረ ብምግባርና ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን ፍሪያት ጋዝ ንመጀመሪያ እዋን ናብ ዕዳጋ ክተቕርብ ኢያ ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዓውዲ ኢንዱስትሪ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እቲ ዓውዲ ኣብዚ ዓመት 12.8 ሚኢታዊ ዕብየት ንከምፅእ ትልሚ ተታሒዙ ከምዝተጀመረ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ልዑል ዓቕሚ ዕደና ዘለዋ ሃገር ኢያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ኣፍሪካ ገዚፍ ዓቕሚ መዓድን ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብዚ ዓመት 65 ሚኢታዊ በፂሑ ኢሎም።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዘሎ ድልየት ኢነርጂ ብ40 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ እውን ሓቢሮም።
ወርቂ ኣብዚ ዓመት 37 ቶን ሰደድ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ ብድምር ኣብዚ ዓመት 3.5 ቢሊየን ዶላር ብሰድድ ዕዳጋ ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም።
እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ ዘበን ዘይነበረ ዕውቱነት ከምዝኾነ ገሊፆም።