ኣብ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ፍርያትን መፍረያይነትን ዘዕቢ ሓበሬታ ተበፃሒ ምግባር ሓርበኝነት እዩ-ሚኒስትር መላኩ ኣለበል

 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 18/2017(ኢዜኣ) ኣበ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ልኣላዊነት ኢኮኖሚ ዘረጋግፅ ሓበሬታ ተበፃሒ ምግባር ሓርበኝነት ከምዝኾነ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ንዕዉትነት ዓመታዊ ኤክስፖ 2017 / ኢትዮጵያ ተፍርን ዓለም ለኸ ጉባኤ ካብ ጥሜት ነፃ ዓለምን ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ትካላት ሚድያ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ የሳልጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓለም ለኸ ጉባኤ ካብ ጥሜት ነፃ ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ መፍረያይ ኢንዱስትርን ዓውዲ ግብርናን ዘለዋ ዓቕሚ ንዓለም ዘርኣየትሉ ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ጉባኤታት ናይ ምክያድ ዝተማልአ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘመስከረትሉ እዩ።

ዓመታዊ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ 2017 / ንሳልሳይ ግዜ ዝተኻየደን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተኻየዱ ብዓይነትን መጠንን ልዑል ምትእስሳር ዕዳጋ ዝተፈጠረሉን ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።

እቲ ኤክስፖ ኣካል ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ከምዝኾነ ብምሓባር፤ እቲ ጎስጓስ ዓቕሚ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ብምዕባይ እታ ሃገር ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ተወዳዳሪነት ንምዕባይ ዘኽእል እዩ ኢሎም።

ንዕዉትነት ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍርን እቲ ጎስጓስን ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ጉባኤ ካብ ጥሜት ነፃ ዓለም ዓውዲ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ልኣላዊነት ኢኮኖሚ ዘረጋግፅ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ሓርበኝነት እዚ ዘበን እዩ ኢሎም ሚኒስትር መላኩ ኣለበል።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም