ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም መብርሂ ኣብ ምሃብ ይርከቡ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2017 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ሎሚ 26 ሰነ 2017 . ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም መብርሂ ኣብ ምሃብ ይርከቡ፡፡

ማክሮ ኢኮኖሚ መበገሲኡ፥ ስብራት ኢኮኖሚ፣ ውልቀ ዓውዲ ኣብ ኢኮኖሚ ዝነበሮ ግደ ምንኣሱ፣ ኣብ ግብርናን ኢንዱስትሪን ዝነበረ ውሱንነት ፍሪያት፣ ኣብ ዕዳጋ ተወዳደሩ ዝስዕር ኢኮኖሚ ዘይምፍጣሩ ዝብሉ ኣርባዕተ ነገራት ብምሓዝ ኢዩ ናብ ሪፎርም ኢኮኖሚ ተኣትዩ ኢሎም።

ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተጀመረ መትከል መንግስቲ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ዓውዲታትን ብሪፎርም ምቕያር ይከኣል ኢዩ ዝብል እምነት ብምሓዝ ኢዩ።

ይኹን እንበር እዚ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዛዘም ዘይኮነስ ብብርኪ ዓለም ዘሎ ኩነታት እውን ኣብ ግምት ዘእተወን  ምስ እዚ ምትዕፅፃፍ ዘድሊዮም ምንባሩ ገሊፆም።

ስርዓት ንግዲ ዘዛብዑ ብዙሓት ነገራት ዘጋጠምሉ ብምዃኑ ብብርኪ ዓለም ዝቕባበ ዋጋ 4.3 ሚኢታዊ ክውስኽ ይኽእል ኢዩ ዝብል ትንበያ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለምን ኣብ ሃገርን ብዙሓት ፈተናታት ዘለውዋ እኳ እንተኾነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 8.1 ዕብየት ምምዝጋቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣዘኻኺሮም።

ካብዚ ብምብጋስ ሎሚ ዘበን 8.4 ሚኢታዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ልእላውነት ምግባ ንምርግጋፅ ከም ቁልፊ ተገይሩ ዝውሰድ ዓውዲ ግብርና 6.1 ሚኢታዊ ንክዓቢ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።

ሎሚ ዘበን ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ተራእዮም ዘይፈልጡ ዓወታትን ውፅኢትን ዝተመዝገብሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እዚ ንምፍፃም ህዝብን ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ንዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ አመስጊኖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም