ኣብ ኢትዮጵያ ሽፋን መገዲ 175 ሺሕ ኪሎሜትሮ በፂሑ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ሽፋን መገዲ 175 ሺሕ ኪሎሜትሮ በፂሑ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2017 ዓ.ም/ኢዜኣ/ኣብ ኢትዮጵያ ሽፋን መገዲ 175 ሺሕ ኪሎሜትሮ በፂሑ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንመሰረተ ልምዓት መንገዲ ብዝምልከተ ካብ ኣባላት ቤት ምኸሪ ንዝቐረብሎም ሕቶታት መብረሂ ሂቦም።
ኣብ መብሪሂኦም ሽፋን መንገዲ ኢትዮጵያ 175 ሽሕ ኪሎሜትሮ በፂሑ እዩ ኢሎም ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ 1 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር ዝሓቱ 300 ፕሮጀክትታት ከምዝፀደቑ ገሊፆም።
እቶም ፕሮጀክትታት ንምህናፅ ውዕሊ ብምኽታም ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ስራሕ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።
ካብ መንጎ እቶም ፕሮጀክትታት እቶም 169 ለዕሊ 11 ሺሕ ኪሎሜትሮ መገዲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ይህነፅ ከምዘሎ ሓቢሮም።
17 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ መገዲ ከቢደን ቀሊልን ፅገና ይግበረሉ ኣሎ ኢሎም።
ብሓፈሻ 28 ሺሕ ኪሎ ሜትሪ መገዲ ብፅገናን ሓዱሽን ይህነፅ ምህላዉ ተዛሪቦም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።
ሽፋን መሰረተ ልምዓት መገዲ ናይ ምዕባይ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።