ምትሕብባር ውልቀ ዘፈር ኣፍሪካን ኣሜሪካን ንሓበራዊ ብልፅግና ወሳኒ እዩ-ሕብረት ኣፍሪካ

 

አዲስ አበባ/ ሰነ/ 17/2017(ኢዜአ)ምትሕብባር ውልቀ ዘፈር ኣፍሪካን ኣሜሪካን ንሓበራዊ ብልፅግና ወሳኒ እዩ ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት  ሞሃመድ አሊ የሱፍ ተዛሪቦም።

ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ካብ እቲ ስፍራ ከምዝፀብፀቦ እቶም ኣቦመንበር ኣብ ኣንጎላ ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ምትሕብባር ኢንቨስትመንትን ንግድን ኣፍሪካ  ክሕይል ኣለዎ ኢሎም ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘሎ ምትእስሳር ቢዝነስ ሓበራዊብልፅግና ንምርግጋፅ ወሳኒ ምኹኑ ኣልዒሎም።

ኩባንያታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኢንቨስትመንት ንክዋፈሩ ሓቲቶም ፤ኣብ እዚ ሓዚ እዋን ድማ ካብ ዝርርብ ሓሊፉ ንኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ሓበራዊ ፃዕርን ተግባርን ከምዘድሊ ኣመልኪቶም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም