ግልገል ጊቤ ሰለስተ ኣብዚ ዓመት 7 ሽሕ ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ክኢሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ግልገል ጊቤ ሰለስተ ኣብዚ ዓመት 7 ሽሕ ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋል ክኢሉ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /16/2017 (ኢዜኣ) ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ግልገል ጊቤ ሰለስተ ኣብዚ ዓመት 7 ሽሕ ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘፈልፈለን ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ኣብ ምስላጥ ዓብይ እጃም ከምዘበርከተመን መካየዲ ስራሕ እቲ ግድብ ሃብታሙ ሰሙ ገሊፆም።
መካየዲ ስራሕ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ግልገል ጊቤ ሰለስተ ሃብታሙ ሰሙ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ ግድብ ኬንያ ሓዊሱ ንሃገራት እቲ ዞባ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ ዓብይ ኣስተዋጸኦ እናበርከተ እዩ።
እቲ ግድብ ኣብ 2009 ዓ/ም ተዛዚሙ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ እውን ኣዘኻኺሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ልዑል ብፅሒት ብምሓዝ ንኢኮኖሚ እታ ሃገር ኣወንታዊ እጃም እናበርከተ ዝርከብ ዓብይ ፕሮጀክት እዩ ኢሎም።
እቲ ግድብ 1 ሽሕን 870 ሜጋ ዋት ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ዘለዎ እንትኸውን ካብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ቀፂሉ እቲ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ከይዲ ስራሕ እቲ ግድብ እውን ብብቑዓት ሰብ ሞያ ኢትዮጵያውያን እናተመርሐ ከምዝርከብ ኣብራህሪሆም።
ግልገል ጊቤ ሰለስተ እናዓበየ ንዘሎ ሃገራዊ ድሌት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምላሽ ኣብ ምሃብ ዓብይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ዓመት እውን 7 ሽሕ ጊጋ ዋት ሰዓት ሓይሊ ብምፍልፋል ኣብ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ርኡይ እጃም እናተፃወተ እዩ ዝርከብ ኢሎም።