ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕ ፋይናንስ 1 ቢልዮን ዶላር ተፈራሪሞም

 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /27/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ኩለመዳያዊ ዕቤትን ንምድጋፍ ዘኽእል ስምምዕ ፋይናንስ 1 ቢልዮን ዶላር ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ዳይሬክተር ኢትዮጵያ፣ኤርትራ፣ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ባንኪ ዓለም ማርያም ሳሊምን እዮም ፈሪመምዎ።

ኣካል ካልኣይ ፕሮግራም ፖሊሲ ልምዓት ዘላቕን ኩለመዳያውን ዕቤት (DPO) ዝኾነ እቲ ስምምዕ ፋይናንስ ብመልክዕ ረድኤትን ብዝነኣሰ ወለድን ኣብ ነዊሕ እዋን ዝኽፈል ልቓሕ(Concessional Loan) ዝወሃብ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ገንዘብ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ።

 ባንኪ ዓለም ኣጀንዳ ሪፎርም ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዘለዎ ቆራፅነት ዘመላኽት ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።

እቲ ፕሮግራም፤ መንግስቲ ዓውዲ ፋይናንስ ንምርግጋዕ፣ተወዳዳሪነት ንግዲ ንምዕባይ፣ዓቕሚ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ንምጥንኻር፣ተሓታትነት ዝተረጋገፀሉ ውፅኢታዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ንምፍጣር ከምኡ እውን ዘላቕነት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምርግጋፅ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕ ዝድግፍ ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ይሕብር።

እቶም ዝተገለፁ ስራሕቲ ዓምድታት ማክሮ ኢኮኖሚን መዋቕራዊ ትራንስፎርሜሽንን ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ እውን ተገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ባንኪ ዓለም ኣብ ፕሮግራም ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ቁልፊ ትኹረት ኣብ ዝተውሃቦም ዓውድታት ሪፎርም ንዘርእዮ ዘሎ ሃናፂ ምሕዝነትን ደገፍን ምስጋና ኣቕሪቡ።

እቲ ስምምዕ፤ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ኩለመዳያውን ዘላቕን ልምዓት ጋህዲ ናይ ምግባር ሓባራዊ ሽቶታቶም ንምዕዋት ዘለዎም ጠንካራ ምትሕብባር ዘመላኽት ከምዝኾነ እውን እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም