ሓይሊ ፀሓይ ሓዊሱ ዕቑር ኣማራፂ ሓይሊ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ትኹረት ተዋሂቡ እዩ-እቲ ሚኒስቴር

 


ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 7/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ሓይሊ ፀሓይ ሓዊሱ ዕቑር ኣማራፂ ሓይሊ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ብትኹረት እናሰርሐት ከምዝኾነት ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሱልጣን ወሊ(ዶ/ር) ገሊፆም።


ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ምስ ጥምረት ዓለም ለኸ ሓይሊ ፀሓይ ኣብ ቴክኖሎጂ ሓይሊ ፀሓይ ስምምዕ ምጅማር ህንፀት ፕሮጀክት ሚኒግሪድ ሶላርን ፓርክ ሶላርን ተፈራሪሞም።


እቲ ስምምዕ ምትሕብባር፤ ኣብ ከይዲ ትግበራ ዓለም ለኸ ልምዓት ሓይሊ ፀሓይ ፕሮጀክትታት መፈልፈሊ ሓይሊ ፓርክ ፀሓይን ሚኒ ግሪድ ሶላርን፣ቀረብ ዝስተ ማይን ማይ መስኖን ብምዕባይ ዕድላት ምትሕብባር ፋይናንስን ቴክኖሎጅን ምምችቻው ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።


እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዘተኣማምን፣ዘላቕን ተመጣጣንን ቀረብ ሓይሊ ኩለመዳያዊ ልምዓትን ብልፅግናን ሃገር ንምርግጋፅ ወሳኒ እዩ።


ኢትዮጵያ ሓይሊ ፀሓይ ሓዊሱ ዘለዉዋ ዕቑራት ኣማራፅታት ሓይሊ ኣብ ረብሓ ንምውዓ ብትኹረት እናሰርሐት ከምትርከብ እውን ኣፍሊጦም።


ኣማራፂ ሓይሊ ፀሓይ ንዕቤት ሃገር ልዑል እጃም ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ምስ ጥምረት ዓለም ለኸ ሓይሊ ፀሓይን ዓለም ለኸ መሓዙት ልምዓትን ብምትሕብባር እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።


ጥምረት ዓለም ለኸ ሓይሊ ፀሓይ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራ ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ንምዕዋት ደገፍ እናገበረ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።


እቲ ጥምረት ቴክኖሎጂታት ሓይሊ ፀሓይ፣ህንፀት ትካላዊ ዓቕምን ተሓዳሲ ሓይልን ንምስፍሕፋሕ ምችው ማዕቐፍ ሕጊ ምፍጣር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ደገፍ እናገበረ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።


ዋና ዳይሬክተር ጥምረት ዓለም ለኸ ሓይሊ ፀሓይ ኣሺሽ ከሀና፤ ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ኣማራፂ ተሓዳሲ ሓይሊ ዘለዋ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ብምጥንኻር ዕቤታ ምቕፃል ዘኽእል ዕዉት ስራሕ እናሳለጠት እያ ትርከብ ኢሎም።


ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ኣማራፂ ተሓዳሲ ሓይሊ ተሳልጦ ልምዓት ንምስፍሕፋሕ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ እቲ ጥምረት ብዝተፈላለዩ መንገድታ ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም