እቲ ኮሚሽን ሃገራት ተፋሰስ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘለወን ኣረኣእያ ጥርጣረ ናብ ምትሕብባር ንክቕየር ዝለዓለ እጃም ኣለዎ-ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ


 


ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ/ 3/2017(ኢዜኣ) ኮሚሽን ተፋሰስ ናይል ሃገራት ተፋሰስ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘለወን ኣረኣእያ ጥርጣረ ናብ ምትሕብባርን ሓባራዊ ልምዓትን ንክቕየር ዝለዓለ እጃም ከምዝህልዎ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ገሊፆም።


ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ተፋሰስ ናይል ኣብ ኡጋንዳ ከተማ ኢንቴቤ ብብርኪ ትካል ምጥያሽ ዘኽእል ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።


ካብቶም ዋና ዋና መትከላት ብ45 ዓንቀፃት ዝተዋደደ ስምምዕ ማዕቀፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል፤ ፍትሓውን ምኽንያታውን ኣጠቓቕማ ማይ፣ርኡይ ጉድኣት ዘይምብፃሕ ከምኡ እውን ብድሌት ምትሕብባር እዮም።


ስምምዕ እቲ ሰነድ ኢትዮጵያ፣ታንዛኒያ፣ኡጋንዳ፣ብሩንዲ፣ሩዋንዳን ደቡብ ሱዳንን ፈሪመን ምፅዳቐን ስዒቡ 3 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ናብ ተግባራዊነት ከምዝኣተወ ዝዝከር እዩ።


ምስ ኢዜኣ ፃንሒት ዝገበሩ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ፤ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ምዃኑ ስዒቡ ኮሚሽን ተፋሰስ ናይል ምጥያሹ ኣብራህሪሆም።


እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ማዕቐፍ ስምምዕ ዝተደንገጉ ቅዋማት፣መሰላትን ግቡኣትን ተፈፃሚ ንክኾኑ ዝሰርሕ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም