ካብ መስከረም 2018/ዓ/ም ጀሚሩ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ተወሳኺ መማሓየሺ ማሃያ ንምግባር መንግስቲ ወሲኑ -ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌዴረኢ


አዲስ አበባ/ነሓሰ/ 12/2017(ኢዜአ)፦ካብ መስከረም 2018// ጀሚሩ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ተወሳኺ መማሓየሺ ማሃያ ንምግባር መንግስቲ ምውሳኑ ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌዴረኢ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ፌዴረኢ ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ብመሰረት ዓቐሚ ሃገር ዝፈቐዶ ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝርከብ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣመላኺቱ ኣሎ፡፡

ኮይኑ እውን  ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ተወሳኺ መመሓየሺ መሃያ ንምግባር ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ፡፡

 ትሑት መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብ ብር 4 ሺሕን 760 ናብ ብር 6 ሺሕ ክዓቢ ክግበር ኢዩ

ልዑል መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብ ብር 21 ሺሕን 492 ናብ ብር 39 ሺሕ ክዓቢ ከምዝግበር ኣፍሊጡ።

መጀመሪ መሃያ ተመረቕቲ ዲግሪ ካብ ብር 6 ሺሕን 940 ናብ ብር 11 ሺሕን 500 ከምዝመሓየሽ እውን ገሊፁ።

ካብ ሲቪል ሰርቪስ ወፃእ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እውን ምምሕያሽ መሃያ ከምዝግበር ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ መመሓየሺ መሃያ ልዕሊ 160 ቢሊዮን ብር ተወሳኺ በጀት ዝሓትት ኢዩ ዝበለ እቲ ኮሚሽን፤ እዚ ድማ ንመሃያ ዝወፅእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ወፃኢ መንግስቲ ናብ 56 ቢሊዮን ብር ክብ ኢሉ ኣሎ

ንህዝብና ብንፅህናን ብትግሃትን ብምግልጋልካብ ዝግበኣናን ትፅቢት ካብ ዝግበረልና ንላዕሊ ብምስራሕ ንግዕዝይናን ብልሽው ኣሰራርሓ ብምቅላስ ፤ልዕሊ ትልምታትና ብምትግባር ፤ ብልፅግና ኢትዮጵያ ከምነረጋግፅ መንግስቲ ፅኑዑ እምነት ኣለዎ፡፡

ጉዑዞ ብልፅግናና ብዝቐፀለ ቑፅሪ በብምዕራፉ ኩላህና ንትሩፋት ብልፅግና ከምንቋደስ ዘይተርፍ ሓቂ እዩ፡፡

ነዚ ድማ ኩላህና ማዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ታዓጢቐና ክንተግህ ይግበኣና ፡፡  እዚ እንትዕወት ንናፅነትና ብደሞም ዘፅንሑልና ቀደምት ኣቦታትን ኣዴታትን ኹሉ፣ ንሕና እውን ብጊደና ንሃገሮም ከበልፅጉ ዋጋ ዝኸፈሉ ወለዶታት ተባሂልና ንዝንተ ኣለም ታሪኸ እና ዘከረና ክነብር እዩ።

 ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌደሪኢ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም