ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ፓርክ እንዱስትሪ ሃዋሳ ካብ መፈልፈሊ ብርሃን ፀሓይ ሓይሊ ኣብ ምፍራይ  ንዝርከቡ ፋብሪካታት ተመልኪቶም





 

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ/ 9/2017(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ኣብ ፓርክ ኢንዱስተሪ  ሃዋሳ ካብ ብርሃን ፀሓይ ሓይሊ መፈልፈሊ ኣብ ምፍራይ ንዝርከቡ ፋብሪካታት ጎብንዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ቬትናም ኣብ ፋብሪካ መፈልፈሊ ሓይሊ ብርሃን ፀሓይ ቶዮ ኣብ ዝነበረና ዑደትን ምስ ፕሬዚዳንት እቲ ኩባንያ ብዘካየድናዮ ዘተን ፍልፍል ሓይሊ ብርሃን ፀሓይ ኣብ ሃገርና ንምፍራይ ተስማዕሚዕና ኢና ኢሎም።

ሎሚ ኣብ ኢንዳስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ኣብ ዝነበረና ዑደት ኣብቲ ፓርክ ካብ ብርሃን ፀሓይ መፈልፈሊ ሓይሊ ዘፍርዩ ዘለዉ ፋብሪካታት ምዕዛብና ሓጎስ ተሰሚዑኒ ክብሉ እውን ሓቢሮም።

እቲ ፋብሪካ መፍረዪ ፍልፍል ሓይሊ ብዝለዓለ ፅሬት ልዑል ፍርያት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዝተላበሰን ብዘበናዊ ስርዓት ማሽን ዝሰርሕን እትኸውን ውፅኢት ፍርያቱ ድማ  ኣብ ንግዲ ወፃኢ ማኑፋክቹሪንግ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም።

ክልተ ተወሰኽቲ መፈርይታት ፍልፍል ሓይሊ ኣብ ከይዲ ህንፀት ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ ናብ ፍርያት ዝኣተወ ከይዲ ስራሕ መፍረዪ እውን ተዓዚብና ኢና ኢሎም።

እዚ ስራሕ ፀጋ ዝተወሰኸሎምን ዘቐመጥናዮም ሽቶታትን ፖሊሲታትን ኣብ ዘዐውቱ ፕሮጀክትታት ትኹረት ምስ ዝገብር ስትራቴጂ ኢንቨስትመንትና ዝተጠዓዓመ እዩ ክብሉ ፀሪሖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም