ኣብቲ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ንመፍትሒ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብቐዳምነት እናሰርሐት ከምዝኾነት ክተርኢ እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብቲ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ንመፍትሒ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብቐዳምነት እናሰርሐት ከምዝኾነት ክተርኢ እያ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 30/2017 (ኢዜኣ) መበል 2ይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ኣፍሪካውያን ድምፆም ብሓባር ካብ ምስማዕ ብተወሳኺ ንመፍትሒ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብቐዳምነት እናሰርሑ ከምዝኾኑ ዘርእይሉ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምድረ ቀዳሞት ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምትሕብባር መበል 2ይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ከምተተኣናግድ ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን እቲ ምድላው ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ ጉባኤ ካብ 3 ክሳብ 5 ጳጉሜን 2017 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ እንትኸውን ቅድመ እቲ ጉባኤ ድማ ካብ 30 ነሓሰ ክሳብ 2 ጳጉሜን 2017 ዓ/ም ከምዝሳለጥ ሓቢሮም።
እቲ”ዓለም ለኸ መፍትሕታት ምቅልጣፍ፤ ንዘይብዳህን ሓምለዋይን ልምዓት ኣፍሪካ ብፋይናንስ ምድጋፍ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝሳለጥ ጉባኤ፤ ኣፍሪካ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል እጃም መሪሕነታ ንክትዋፃእ ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ኣፍሪካ ብለውጢ ከባብያዉ ኣየር ከምዝተጎድኣት ካብ ዘንፃባርቕ ተረኽ ብምሽጋር ኣካል መፍትሒ ኮይና እናሰርሐት ከምዝትርከብ እውን እተርእየሉ ጉባኤ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ኣፍሪካውያን ሓባራዎ ቅዋሞም ዘንፀባርቕሉ ጉባኤ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል መሰረታዊ ለውጢ ዘምፅኡ ውሳነታት ከምዝመሓላለፉ እውን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ እውን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘስዕቦ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ተሳልጦም ዘላ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ኣብቲ ጉባኤ ብተሞኩሮ ከምተቕርብ ኣረዲኦም።
ኣብቲ ጉባኤ፤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ሓዊሱ ካብ 20 ሽሕ ክሳብ 25 ሽሕ ሰባት ከምዝሳተፉን ነዚ ድማ እኹል ምድላው ከምዝተገበረን ተዛሪቦም።