ንዕዳጋ ወፃኢ ካብ ዝቐረበ ዕጣን ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ንዕዳጋ ወፃኢ ካብ ዝቐረበ ዕጣን ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 5/2017(ኢዜኣ) ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ንዕዳጋ ወፃኢ ካብ ዝቐረበ ፍርያት ዕጣን ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ግብርና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
መካየዲ ስራሕ ኣመራርሓ ስራሕ ኮሙኒኬሽንን ማሕበራዊ ሓላፍነትን እቲ ኮርፖሬሽን ጋሻው ኣይችሉህም ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2 ሽሕን 505 ኩንታል ዕጣን ናብ ቻይና፣ዱባይ፣ግሪኽ፣ቱኒዝያን ቱርክን ብምልኣኽ ልዕሊ 1 ሚልዮን 641 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ኣታዊ ተረኺቡ።
ብተወሳኺ እውን 260 ኩንታል ዕጣን ንዕዳጋ ውሽጢ ሃገር ብምቕራብ ልዕሊ 7 ሚልዮን 710 ሽሕ ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ንኢዜኣ ተዛሪቦም።
ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2017 ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር ወሰኽ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።
እቲ ኮርፖሬሽን ካብ ዝእክቦ ፍርያት ዕጣን ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ዝኸውን ንዕዳጋ ወፃኢ ከምዘቕርብ እውን ኣፍሊጡ።
ኣብ ቀፃሊ በጀት ዓመት እውን 2 ሽሕን 510 ኩንታል ፍርያት ዕጣን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይ ከምዝተተለመ ኣረዲኦም።