ኢትዮጵያ ንዘመነ ምንስርራአ ዘበስሩ ብርክት ዝበሉ ንታሪኸ ዝቐይሩ ፕሮጀክትታት ጀሚራ ብቐልጣፈን ፅሬትን ክትዛዘም እያ -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንዘመነ ምንስርራአ ዘበስሩ ብርክት ዝበሉ ንታሪኸ ዝቐይሩ ፕሮጀክትታት ጀሚራ ብቐልጣፈን ፅሬትን ክትዛዘም እያ -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

አዲስ አበባ/ ነሓሰ/ 13/2017(ኢዜአ)፡-ኢትዮጵያ ንዘመነ ምንስርራአ ዘበስሩ ብርክት ዝበሉ ንታሪኸ ዝቐይሩ ፕሮጀክትታት ጀሚራ ብቐልጣፈን ፅሬትን ክትዛዘም እያ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ 144 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ህንፀት መንገዲ ፍጥነት ሚኤሶ - ድሬዳዊ ኣጀሚሮም።
ኣብ መጀመሪ እቲ መርሃ ግብሪ ብማዕረግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእከል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓመንግስታት ክልልን ፌድረኢን ተረኺቦም።
መንገዲ እቲ ፍጥነት ካብ ባንኪ ዓለም ብተረኸበ 62 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ብር ዝህነፅ እንትኸውን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ከምዝዛዘም ተገሊፁ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መጀመሪ እቲ ስነስርዓት ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከም ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ፣ምዕባለ ኢኮኖሚ ንምጉልባትን ንናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽን ኣብ መሰረት ልምዓት መንገዲ ኢንቨስት ምግባር ከምዝግበኣን ኣገንዚቦም ።
ፈጣን መንገዲ ሚኤሶ -ድሬዳዋ መንግስቲ ንምዝማን ትራንስፖርት ዘለዎ ትብዓት ን ቁሩብነትን ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ናይ ምህናፅ ራእይ ክውን እናኾነ ምምፅኡ ዘመላኸት መሰረተ ልምዓት እዩ ኢሎም ።
በቲ ስሉጥ መገዲ ንዓዲ ውሽጢ ዓበይቲ ዕድላት ዕዳጋ ብምፍጣር ንግዲን ኢኮኖሚን ክብ ካብ ምባል ብተወሳኺ ቀጣናዊ ሸቶታት ናፃ ዕዳጋ ኣብ ምዕዋት ዘለዎ ግደ ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን፣ ከተማ ድሬዳዋ ዘተኣሳሳር እንትኸውን፥ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ዝተትሓዘ ራእይ ዕላዊ ይኸውን ከምዘሎ ዘርእይ ወሳኒ ኣካል ከምዝኾነ ገሊፆም።