ኣብ እዚ ዞባ ምህርቲ ዓሳን ንግድን ዘመናውን ቅልጡፍን ንምግባር ሓበራዊ ፃዕሪ ወሳኒ እዩ-ኢጋድ


አዲስ አበባ/ ነሓሰ/ 6/2017(ኢዜአ) ኣብ እዚ ዞባ ምህርቲ ዓሳን ንግድን ዘመናውን ቅልጡፍን ንምግባር ሓበራዊ ፃዕሪ ወሳኒ እዩ ክብል ባዓል መዚ ብየነ መንግስታት ልምዓት ምብራቐ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣፍሊጡ

ኢጋድ ኣብ እዚ ዞባ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ዓሳ ዘተኮረ ልዑል መድረኸ ምኸክር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምክያድ ይርከብ።  

ኢትዮጵያ ንኣጀንዳ ብሉ ኢኮኖሚን ስትራቴጂ ትግበራ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ ዓሳን በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ምትሕብባራ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሉ ሚኒስቴር ሕርሻ።

ኣብቲ መድረኽ ፎረም ኤጀንሲን ማእኸል ዞባዊ ክትትልን ቁፅፅርን ሃፍቲ ዓሳ ኢጋድ ንምጥያሽ ምኽክር እናተገበረ ይርከብ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ፍቅሩ ረጋሳ (/) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ከም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝበሉ ፕሮጀክታት ሃፍቲ ማይ ሓደሽቲ ዕድላት ሃፍቲ ማይ ዝፈጠሩ ኢዮም።

ትልሚ ልምዓት ሃፍቲ ዓሳን ከርሰ ምድሪን 10 ዓመት ኢትዮጵያ ብምፅራሕ፥ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ማያዊ ኣካላት ዓቕሚ ብምጉልባት ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ዓሳ ዘዕግብ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብ መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ዓሳ፣ መዓር፣ እንቋቖሖን ሃፍቲ ፀባን ልዑል ለውጢ መፂኡ ኢሎም፡፡

ዳይሬክተር ሓለዋ ከባቢን ዓውዲ ሕርሻን ኢጋድ ዳህር ኤሊ ብግደኦም፥ ኣብቲ ዞባ ዓመታዊ ፍርያት ዓሳ ዓሚቕ ዓቕሚ ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ቶን ይኹን እምበር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናፈረየ ዝርከብ 1 ሚሊየን ቶን ጥራሕ ከምዝኾነ ሓቢረን፡፡

እዚ ንዕቑር ሃፍቲ እቲ ዞባ ከምእቲ ዝድል ኣብ ረብሓ ከም ዘይዋዓለ ከምዘመላኸት ተዛሪበን።

ዓበይቲ ቓላያት ቱርካና ፣ቪክቶሪያ፣ ሩባ ኣበይ ፣ውቅያኖስ ሕንድን ቐይሕ ባሕርን ብሚሊዮን ንዝቑፀሩ ዜጋታት ምብራቐ ኣፍሪካ ብውሕስና ምግብን ዕድል ስራሕን ከምዝድግፍ ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም