148 ጣብያታት ገጠር ኢትዮጵያ ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይነን-እቲ ኣገልግሎት - ኢዜአ ትግርኛ
148 ጣብያታት ገጠር ኢትዮጵያ ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይነን-እቲ ኣገልግሎት

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 9/2017(ኢዜኣ) ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 148 ጣብያታት ገጠር ኢትዮጵያ ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኣገልግሎት ኢንጂነር ጌቱ ገረመው ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2017ን ትልሚ በጀት ዓመት 2018ን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣወሃህባ ኣገልግሎት እቲ ትካል ንምምዕባልን ተበፃሕነት ቀረብ ሓይሊ ንምርግጋፅን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሓቢሮም።
ኣብ ስራሕቲ ምምሕያሽን ምምዕባልን መከፈፈልቲ መስመራር፣ ዓሚል ተኮር ኣገልግሊት ምሃብ፣ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ምርግጋፅን ፀገም ፅሬት ሓይሊ ምፍታሕን ትኹረት ከምዝተገበረ እውን ከምኣብነት ፀሪሖም።
ኣብዚ መዳይ ኣብቲ በጀት ዓመት 148 ጣብያታት ገጠር እታ ሃገር ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምዃነንን ልዕሊ 500 ሽሕ ዝኾኑ ሓደሽቲ ዓማዊል ኤሌክትሪክ ንክረኽቡ ከምዝተገበረን ተዛሪቦም።
ኣብቲ በጀት ዓመት ካብ መሸጣ ኢነርጅን ካልኦት ፍልፍላት ኣታውን 63 ነጥቢ 12 ቢልዮን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ እውን ኣረዲኦም።
እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 20 ነጥቢ 65 ሚኢታዊ ወሰኽ ዝተረኸበሉ እዩ ኢሎም።