መንግስቲ ዜጋታት ቀዋሚ መሃያ ተኸፈልቲ ናብራ ንምምሕያሽ  ተባዕ ቅዋም ሒዙ ምውስኡ ቐፂሉ አሎ- ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/12/ 2017 /ኢዜኣ/ መንግስቲ ቀዋሚ መሃያ ዘለዎም ዜጋታት ፅዕንቶ መነባብሮ  ንምቅላል ተባዕ ቅዋም ሒዙ ይሰርሕ ምህላዉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣፍሊጦም ።

ኣገልግሎት ሚኒስቴር ገንዘብ ሪፎርም  መንግስቲ ናብ ሙሉእ ተግባር ምእታው ስዒቡ ካብ ኮሚሽን ስቪል ሰርቪስ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ፡፡

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ እዋን ÷ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ሒዲት ዓመታት ዝተኻየዱ ሪፎርምታት ርኡይ ውፅኢት ኣምፂኦም፡፡

ብፍላይ ዝተማልአ ጊፎርም ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣታዊታት ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምዕባይን ኢኮኖሚያዊ ንምንቕቓሕን ልዑል ተራ ከምዝተፃወተ ሓቢሮም።

መንግስቲ ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ክውሰን ምግባሩ ብፋላይ ትሑት ደሞዝ ዘለዎም ዜጋታት ኣብ ፀቕጢ ከይወድቁ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ከምዝወሰደ ሓቢሮም።

መንግስቲ ዜጋታት ቀዋምቲ ተኸፈልቲ መሃያ  ፅዕንቶ ምኸባር ናብራ  ንምቅላል ቆራፅ ቅዋም ሒዙ እናሰርሐ ምዃኑ ብምሓባር ካብ መስከረም ጀሚሩ ዝተገበረ ምምሕያሽ ብመሰረት እዚ ምኹኑ ኣመልኪቶም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም