10 ክልላት ስሩዕ ሰብኣዊ ደገፍ ብናይ ባዕለን ዓቕሚ ምምላእ ክኢለን-እቲ ኮሚሽን

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 3/2017(ኢዜኣ) ተመፅዋታይነት ንምትራፍ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ 10 ክልላት ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት ሰብኣዊ ደገፍ ብናይ ባዕለን ዓቕሚ ምምላእ ከምዝኸኣላ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ሰግኣት ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ሰግኣት ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም(ዶ/ር) ሰብኣዊ ደገፋት ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምምላእ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ጉዳያት ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣጀንዳታት ብሄራዊ ድሕንነት፣ሰብኣዊ መሰልን ማሕበራዊ ፍትሕን እዮም ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን መረጋገፂ ህንፀት ሰላምን ዘላቒ ልምዓትን ተገይሩ ከምዝውሰድ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ እውን እዞም ሃገራዊ ጉዳያት ብምውዳድ ንምስራሕ ስራሕ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ምስላጥ ኣብቲ ዓውዲ ተወሳኺ ዓቕምን ዓወትን ንምርግጋፅ ከምዝሕግዝ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ ዘሳለጠቶም ስራሕቲ ዝተባብዑን ተስፋ ዝህቡን ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ብዓወት ምስላጣ እውን ሓደ መርኣያ እዩ ኢሎም።
ሰብኣዊ ደገፍ ንምርግጋፅ ብዝተሳለጡ ስራሕቲ እውን 10 ክልላት ዝኾነ ኣይነት ኣገልግሎት ሰብኣዊ ደገፍ ብናይ ባዕለን ዓቕሚ ኣብ ምምላእ ከምዝኾና ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ልኣላዊነት ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ዓብይ ምንስርራእ ብዝብል ዝተመዝገበ ዓወት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ቅድሚ 3 ዓመት ብብርኪ ሃገር ዝነበረ ቁፅሪ ተመፅወትቲ ብ86 ሚኢታዊ ንክቕንስ ከምዝገበረ ፀሪሖም።
ክልላት ሰብኣዊ ደገፍ ብናይ ባዕለን ዓቕሚ ምሽፋን ዘኽእለን ቀረብ ፍርያት ብዝምልከት ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 100 ሽሕ ሄክታር መሬት ከምዝተሓረሰ እውን ኣብራህሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም