ቅልጡፍ ህንፀት መንገዲ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ኢትዮጵያ ምስ ዞባ እተን ሃገራት ንእትገብሮ ርክብ ህዝብን ንግድን ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ቅልጡፍ ህንፀት መንገዲ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ኢትዮጵያ ምስ ዞባ እተን ሃገራት ንእትገብሮ ርክብ ህዝብን ንግድን ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ

አዲስ አበባ/ነሓሰ/ 13/2017 (ኢዜአ)፡-ቅልጡፍ ህንፀት መንገዲ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ኢትዮጵያ ምስ ዞባ እተን ሃገራት ንእትገብሮ ርክብ ህዝብን ንግድን ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ ኣለዎክብላ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን፡፡
ስነ -ስርዓት መጀመሪ ቅልጡፍ ህንፀት ፕሮጀክት መንገዲ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ኣብ ከተማ ድሬድዋ ተሳሊጡ ፡፡
ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ፥ ንዕቤት ሃገርን ብልፅግናን ወሳኒ ዝኾነ መሰረተ ልምዓት መገዲ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ምኹኑ ሓቢረን፡፡
መገዲ ቅልጡፍ ሚኤሶ-ድሬዳዋ ትራንስፖርት ወፃኢን ቅድሚ ሕዚ ንምጉዓዝ ዝውድኦ ዝነበረን ልዕሊ 5 ሰዓት ናብ 1 ሰዓት ፈረቓን ዝንኪ ከምዝኾነ ኣመልከተን ፡፡
እቲ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ትርከበሉ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣካል ኢኒሼቲቭ ምትእስሳር እንትኸውን፥ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ንእትገብሮ ርክብ ንግዲን ህዝቢ ምስ ህዝቢን ዝለዓለ ረብሓ ከምዝህለዎ እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን፡፡
እቲ ፕሮጀክት ዘበናዊ፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ምቹው ኣገልግሎት ትራንስፖርት ንመሃብ ዘኽእል ኢዩ ፡፡
እቲ መንገዲ ካብ ባንኪ ዓለም ብተረኸበ 62 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ብር ወፃኢ ዝህነፅ እንትኸውን ነቲ ስራሕ ኮርፖሬሸን ኮንስትራክሽን ሲቪል ኢንጂነሪንግ ቻይናን ሲችዋን ሮድ ኤንድ ብሪጅ ብጥምረት ዝሰርሕዎን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ክዛዘም እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር ።