ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

ሎሚ ንጉሆ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኣባላት ቤት ምኸሪ ፓርቲ ብልፅግና ብምኹን ሓድሽ ንተሃንፀ ካብ እግሪ እንጦጦ እስጋብ አራት ኪሎ ፕላዛ ንዘሎ ስራሕ ኮሪዶር ልምዓት መሪቖም ።
እቲ ከባቢ ኣግራሞት ዘለዎ ለውጢ ዝፈጠሩ ሓደሽቲ መንገድታት ኣጋርን ብሽክሌታን ፣ ዝተማሓየሹ መብራህትታት ወሰን መንገዲን ፣ኣብ ሽሮ ሜዳ ማእኸል ዕዳጋ ኢደ ጥበብ ንዝተሃንፁ ዘመናዊ ሹቓት ዘካተተ እዩ ።
እቲ ስራሕ ልምዓት ኮሪዶር መጫወቲ ህፃናት ፣ገፊሕ ሜዳ ኩዑሶን ዝተፈላለዩ ንኣገልግሎት ህዝቢ ዝውዕሉ ህንፀታት ዝተሳለጥሉ እዩ-ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር