ንህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንገብሮ ደገፍ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና - ኢዜአ ትግርኛ
ንህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንገብሮ ደገፍ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና

መቱ/ነሓሰ 1/2017(ኢዜኣ) ንህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝገብርዎ ዕድጊት ቦንድን ልገሳ ገንዘብን ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኢሉኣባቦር ገሊፆም።
ካብቶም ርኢቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ ኣይተ ታረቀኝ ዓለማየሁ፤ እምነ ኩርናዕ እቲ ግድብ ካብ ዝቕመጥ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ በቢዓመቱ ቦንድ ብምግዛእ ኣስተዋፅኦ እናገበሩ ከምዝፀንሑ ተዛሪቦም።
ሕዚ እውን ዜና ምረቓ እቲ ግድብ ብሃንቀውታ እናተፀበዩ ቦንድ ምግዝኦም ብምግላፅ፤ ደገፎም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ሓቢሮም።
ነባሪት እቲ ወረዳ ዝኾና ወይዘሮ ሶፊያ ጀማል ብግደአን፤ ምስ ነበርቲ ከባቢአን ብምዃን ንህንፀት እቲ ግድብ ብተኸታታሊ ቦንድ ብምግዛእ እናተሳተፋ ከምዝፀንሓ ፀሪሐን።
ሎሚ ዓመት እውን ቦንድ ከምዝገዝኣ ብምሕባር፤ ካልኦት እውን ኣብ ህንፀት እቲ ግድብ ኣሰሮም ንከንብሩ እናተሓባበራ ከምዝርከባ ኣረዲአን።
ንህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ዝገብርዎ ተሳትፎን ደገፍን ክሳብ ሕዚ ኣጠናኺሮም ከምዝቐፀልሉ ዝገለፁ ኣይተ ጥላሁን ተካ፤ ሕዚ እውን እቲ ግድብ ክሳብ ዝምረቕ ደገፎም ከምዝቕፅልሉ ገሊፆም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዞባ ኢሉኣባቦር ቶለሳ ኣሰፋ ብግደኦም፤ እምነ ኩርናዕ እቲ ግድብ ካብ ዝቕመጥ ጀሚሩ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ እቲ ዞባ ልዕሊ 150 ሚልዮን ብር ደገፍ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ክረምቲ እውን 20 ሚልዮን ብር ንምእካብ ብምትላም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 10 ሚልዮን ብር ደገፍ ከምዝተኣከበ ኣብራህሪሆም።
ኣብ ኩሎም ወረዳታት እቲ ዞባ ንህንፀት እቲ ግድብ ብሕብረተሰብ ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ሓቢሮም።