ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኹሉ ዝስማዕማዕን ሓቛፍን ቀፃልነት ፕሮጀክትታት ልምዓት ንምርግጋፅ ብትኹረት ክሰርሕ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 25/2017(ኢዜኣ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኹሉ ዝስማዕማዕን ሓቛፍን ቀፃልነት ፕሮጀክትታት ልምዓት ንምርግጋፅ ብትኹረት ከምዝሰርሕ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ፕላዛ ኣራት ኪሎ ዝተሃነፁ ማእኸላት ዕዳጋን መፅንሒ መኪናን መሪቐን ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረን።





እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣብታ ከተማ ሰብ ተኮር ፕሮጀክትታት ብፅሬትን ብቕልጣፈን እናተሳለጡ እዮም ዝርከቡ።
እቶም ፕሮጀክትታት ሓደሽቲ ፈጠራታት ዝተሓወሶምን ምስሊ ታሪኽ እታ ከተማ ዝሓለዉን ከምኡ እውን ንነበርቲ ተጠቀምቲ ዝገበሩ እዮም ኢለን።
ስራሕቲ ፖለቲካ ህዝቢ ተረባሒ ምግባርን ብልፅግና ምርግጋፅን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቶም ፕሮጀክትታት ዝኣተናዮ ቃል ብተግባር ንምፍፃም ዘለና ቆራፅነት ዘርእዩ እዮም ክብላ እውን ተዛሪበን።
ኣብ ፕላዛ ኣራት ኪሎ ዝተሃነፁ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ሹቓትን ኣብ ሓደ ግዜ 100 መኻይን ዘዕርፉን ፕሮጀክትታት ከምዝኾኑ ፀሪሐን።
እቲ ምምሕዳር ከተማ ንኹሉ ዝስማዕማዕን ሓቛፍን ቀፃልነት ፕሮጀክትታት ልምዓት ንምርግጋፅ ብትኹረት ከምዝሰርሕ እውን ኣረጋጊፀን።
ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ ብግደኦም፤ ኣብታ ከተማ ካብ ልምዓት ኮሪደር ብተወሳኺ ተረባሕነት ነበርቲ ዘረጋግፁ ፕሮጀክትታት እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብልዑል ወፃኢ ተሃኒፆም ንኣገልግሎት ክፍቲ ዝኾኑ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣካል እዚ ከምዝኾኑ እውን ኣረዲኦም።




 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም