ሓዱሽ ንዝህነፅ ዓለም ለኸ ከተማ ኤርፖርት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ 8 ቢልዮን ዶላር ፋይናንስ ናይ ምትሕብባር ሓላፍነት ተዋሂብዎ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 5/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንተህንፆ ሓዱሽ ዓለም ለኸ ከተማ ኤርፖርት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ 8 ቢልዮን ዶላር ፋይናንስ ናይ ምትሕብባር ሓላፍነት ዝወሰደሉ ስምምዕ ምስቲ መንገዲ ኣየር ሎሚ ተፈራሪሙ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምፍርራም፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፣ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየርን ኣካቢ ቦርድ ግሩፕ መንገዲ ኣየርን ኢትዮጵያን ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ፣ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣኪንውሚ ኣዴሲና (ዶ/ር)፣ዋና ሓላፊ ዘፈር ንግዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ለማ ያዴቻ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን እቲ መነገዲ ኣየርን ተረኺቦም።
5 መጋቢት 2017 ዓ/ም ኢትዮጵያን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ኣብ ቀረባ ቢሾፍቱ ከባቢ ኣቡሴራ ንዝህነፅ ሓዱሽ ዓለም ለኸ ከተማ ኤርፖርት ሰነድ ስምምዕ መግለፂ ድሌት ኣብ ኣቡጃ ምፍርራሞም ዝዝከር እዩ።
ነዚ ስዒቡ እቲ ባንኪ ነቲ ህንፀት ሓዱሽ ኤርፖርት ፍልፍል ፋይናንስ ኣብ ምትእልላሽ ንምትሕብባር ዘኽእሎ ስምምዕ ተፈራሪሙ።
እቲ ስምምዕ፤ ዋና ሓላፊ ዘፈር ንግዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ለማ ያዴቻን ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣኪንውሚ ኣዴሲና (ዶ/ር)ን እዮም ፈሪመምዎ።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም