መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 7 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ - ኢዜአ ትግርኛ
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 7 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 29/2017(ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 7 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው ገሊፆም።
እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2017 እቲ መንገዲ ኣየር ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር ኣብቲ በጀት ዓመት ፅልዋ ዘሕደረ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ብፍላይ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተፈጠሩ ኲናታት፣ኢኮኖሚ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ካብ ዝነበሮ ዕቤት ምዝሕሓሉ ከምኡ እውን ካልኦት ኣጋጣምታት ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር ዝተፈታተኑ ከምዝነበሩ ሓቢሮም።
ኣብቲ በጀት ዓመት ብብርኪ ዓለም 5 ቢልዮን መንገደኛታት ብትራንስፖርት ኣየር ምትእንጋድ ከምዝተኽኣለ ብምሕባር፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ልዕሊ 19 ሚልዮን መንገደኛታት ምጉዕዓዙ ኣብራህሪሆም።
ካብዚኣቶም 15 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ዓለም ለኸ ከምኡ እውን 3 ነጥቢ 9 ሚሊዮን ውሽጢ ሃገር መንገደኛታት ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን 785 ሽሕ 323 ቶን ፅዕነት ኣብ ምጉዕዓዝ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር 4 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዝተመዝገበ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ እውን ኣብቲ በጀት ዓመት ዝተመዝገበ 7 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር 8 ሚኢታዊ ዕቤት ተረኺቡ ኢሎም።