መንግስቲ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ጀሚሩ ኣብ ምዝዛም ውፅኢታዊ እናኾነ መፂኡ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 6/2017 (ኢዜኣ) መንግስቲ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ጀሚሩ ኣብ ምዝዛም ውፅኢታዊ እናኾነ ከምዝመፀ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኢንሼቲቭ ትራንስፎርሜሽን ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ብዕሊ ኣጀሚሮም።
እቲ ኢንሼቲቭ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2025 ክሳብ 2050 ዓ/ም ተግባራዊ ዝኸውን እንትኸውን እቲ ዓውዲ ተወዳዳሪ ብምግባር ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብዝተዋደደ መንገዲ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።




ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ መርሃ ግብሪ ዕላዊ መግበሪ እቲ ኢንሼቲቭ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ተግባራዊ ብዝገበሮም ስጉምትታት ለውጢ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣብ ምዝዛም ውፅኢታዊ ንክኸውን ኣኽኢሎም እዮም።
ንነዊሕ ዓመታት ቃል ዝተኣተዉ፣ዝተጓተቱን ብዝተሓላለኸ ፀገም ጠጠው ኢሎም ዝነበሩን ፕሮጀክትታት ናብ ስራሕ ብምእታው ምዝዛም ጥራሕ ዘይኮነስ ብፅሬት ምፍፃም መግለፂና ገይርናዮ ኢና ኢሎም።
እቲ ህዝቢ ተረባሒ ንምግባር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዋላ ኳ ዝተባብዑ እንተኾኑ ሕዚ እውን ዝተረፉ ስራሕቲ ምህላዎም ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ተኸታተልቲ ሜጋ ፕሮጀክትታትን ኢንሼቲቫትን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ኣረጋጊፆም።
ስለዝኾነ እውን ተዋሳእቲ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኣሰራርሓ ብምኽታል ንፅሬትን ቅልጣፈን ህንፀት ከምኡ እውን ንፈጠራ ዕድል ስራሕ ብዝለዓለ ቆራፅነት ክንቀሳቐሱ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ዓውዲ ኮንስትራክሽን ዓብይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ዓውዲ ብዝበለፀ ተረባሒ ንምዃን ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ክጠናኸር ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ኣብዚ መዳይ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዓውዲ ኢንዱስትሪ ዘለዎ ሓፈሻዊ ኩነታት ብምድህሳስ ቅድሚ ሕዚ ዝነበርዎ ኣካይዳታት ብምፍታሽ ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ኢንሼቲቭ ትራንስፎርሜሽን ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ዕላዊ ምግባሩ ንኢዶም።
እቲ ኢንሼቲቭ ሓፈሻዊ ፀገማት እቲ ዓውዲ ዝፈለየ፣መዳርግቲ ኣካላት እጃሞም ብኣግባቡ ንክዋፅኡ፣ኩባንያታት ኮንስትራክሽን ካብ ሃገር ሓሊፎም ኣብ ኣፍሪካ እውን ኣሰሮም ምንባር ንክኽእሉ ብምግባር ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ ኢሎም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም