ፖለቲካ
ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ሃካይንዴ ሂቺሌማ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም
Oct 6, 2026 22
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ዛምቢያ ሃካይንዴ ሂቺሌማ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዳግማይ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኮይኖም ብምምራፆም ብሽም ህዝብን መንግሥትን ዛምቢያ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም። መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 1ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ መሪፁ እዩ። እቶም ፕሬዚዳንት ፓብ መልእኽቶም፤ ዛምቢያ ኣብ መንጎ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ንዝተሃነፀ ኣህጉራዊ ሕውነት ኣፍሪካውያን ጠንካራን ሕውነታውን ርክብ ልዑል ዋጋ ከም ትህቦ ገሊፆም። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘላቒ ታሪኻዊ ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምኡ እውን ንሓባራዊ ብልፅግናን ዕቤትን ዝግበር ክልቲኣዊ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ድሌት ከም ዘለዎም ሓቢሮም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዱሽ ዘበነ ስልጣን ዘበኖም ናይ ዓወት ንክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም #መንግሥቲ_መደመር #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ
ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሁሉ ሀሰን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፈን
Oct 6, 2026 24
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሁሉ ሀሰን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፈን። መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 1ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ መሪፁ እዩ። ፕሬዚዳንት ታንዛንያ ሳሚያ ሱሁሉ ሀሰን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ብሽም መንግሥትን ህዝብን ሃገረን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እንኳዕ ደስ በሎም ክብል ይፎቱ ኢለን። እዚ ሓላፍነት ሓዱሽ ዘበነ ስራሕ እቲ ህዝቢ ኣብ ኣመራርሓ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን ንዕቤት ኢትዮጵያ ብዘለዎም ራእን ዘለዎ ዓብይ እምነትን ዘርኢ እዩ ክብላ ገሊፀን። ታንዛኒያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝፀንሐን ዕሙቕን ርክብ ሕውነት ዋጋ ከም ትህብ ብምግላፅ፤ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት፣ ብልፅግና እተን ሃገራትን ሓፈሻዊ ዕቤት ኣፍሪካን መሰረት ብዝገበረ መልክዑ እዚ ምትሕብባር ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ልዑል ድሌት ከም ዘለዋ ኣረጋጊፀን። #መንግሥቲ_መደመር #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ
ምኽረ-ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንዘላቂ ህንፅት ሃገር ክውዕሉ ክግበር እዩ-ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ
Oct 6, 2026 39
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ)፦ ምኽረ-ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ናብ ባይታ ብምውራድ ንዘላቂ ህንፅት ሃገር ክውዕሉ ክግበር እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ፌዴሪኢ ታየ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። ግዕዝይና ናይ ምድራቕ ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ኣመላኺቶም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሓባራዊ ኣኼብኦም ኣካይዶም። ፕረዚደንት ፌዴሪኢ ታየ ኣፅቀስላሴ ኣብ መኽፈቲ እቶም ኣብያተ ምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ሃገራዊ ስትራቴጂካዊ ዕላማታት ንምዕዋት ዕምቆት ሓሳብ፣ ብርኪ ፍልጠትን ተበግሶ ስራሕን ወሳኒ ሓይልታት ምዃኖም ተዛሪቦም። በዙይ ድማ ኢትዮጵያ ብፅኑዕ ሕብረ-ብሔራዊ ሓድነት ብምቕጻል ዜጋታት ንብልፅግና ሃገር ብሓባራዊ መንፈስ ንክፅዕሩ ክግበር እዩ ኢሎም። ውርሲ ኣዙሪት ጠበንጃን ፖለቲካ ዓመፅን ብዘላቂነት ንምእላይ፤ ልምዲ ፖለቲካና ኣብሰላም፣ ብዘተን ስምምዕን ክምስረት መንግስቲ ልዑል ትኹረት ከም ዝህቦ ኣመልኺቶም። ምኽረ-ሓሳባትን ውፅኢት ሃገራዊ ምኽክር ንልምዲ ፖለቲካን ንዘላቂ ህንፀት ሃገርን ዘለዎ ፋይዳ ብምግንዛብ ብዝማዓበሉ ሃገራዊ ሓሳባት ናብ ባይታ ንክውረዱ ክግበር እዩ ኢሎም። ፖለቲካን ማሕበራዊ ንቕሓትን ኢትዮጵያ ብምዕባይ ፍልልያት ብምፅባብ ሰላምን ዕብየትን ዝሰፈና ተምሳሌታዊት ሃገር ከም ትህነፅ እውን ተዛሪቦም። ትካላት ብስርዓት ቁፅፅር ብምጥንካርን ሰራሕተኛታት ብስነ-ምግባር ብምህናፅን መረብ ሙስና ንምድራቕ ዝካየድ ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣልዒሎም።
ብሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝቐረቡ ምኽረ-ሓሳባት ተግባራዊ ንምግባር ብትኹረት ክስራሕ እዩ - ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ
Oct 6, 2026 43
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 26/2019 (ኢዜአ)፦ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ዝቐረቡ ምኽረ-ሓሳባት ተፈፃሚ ክኾኑ ብትኹረት ከም ዝስራሕ ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሓባራዊ ጉባኤኦም እናካየዱ እዮም። ፕረዚደንት ታየ ኣፅቀስላሴ ነቶም ኣብያተ ምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ እቲ ቐረባ እዋን ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ምኽክር ማሕበራዊ እሴታት ብምውህሃድ ሕብረ-ብሄራዊነት ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ክትህነፅ መሰረት ከም ዝንፀፈ ኣመላኺቶም። እቲ ጉባኤ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕልና ሓሳብ ዝኣምን፣ ንህዝቢ ዝተገዛአን ስክነት ሃፍቱ ዝገበረን ንኽኸውን ዝተኽኣለ ፍፃመ እዩ ኢሎም። ኣብቲ ጉባኤ ተመካኸርቲ ዘቕረብዎም ምኽረ-ሓሳባት ተፈፃሚ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ መንግስቲ ኣብ በጀት ዓመት 2019 ትኹረት ካብ ዝሃቦም ቀንዲ ጉዳያት ከም ዝጥቀሱ ተዛሪቦም። መንግስቲ ልምዲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንምዝማንን ዝተረጋገፀ ምህዳር ፖለቲካ ንክህሉን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታት አጠናኺሩ ከም ዝቕፅል'ዩ ገሊፆም። ፅኑዕ ባህጉ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዝኾነ ሰላም ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ብትኹረ ከም ዝስራሕ ኣመላኺቶም።
ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም
Oct 6, 2026 56
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 26/2019 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ 1ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ መሪፁ እዩ። ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዳግማይ ብምምራዝፆም እንኳዕ ደስ በሎም ክብሎም ይፈትው ኢሎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ንሃገሮም ብዘለዎም መስተውዓላይነትን ራእን ዓብይ እምነት ከም ዘነበረ ዘርኢ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም። ከይዲ ለውጢ ኢትዮጵያ ዕዉት ንክኸውን ብምምናይ፤ ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንዞባዊ ሰላምን ልምዓትን ከምኡ እውን ንሓባራዊ ረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ብትኹረት ምስርሓ ኣጠናኺራ ከም ትቕፅለሉ ወሲኾም ኣረጋጊፆም።
ብቕልጡፍን ብመንገዲ ፈጠራን ሪፎርም እናበርና፣ እቲ ዝመፅእ ዘሎ ዓለም ንምድህሳስ ንዳሎ ኣለና
Oct 6, 2026 51
ኣዲስ ኣበባ፤ መስከረም 26/2019 (ኢዜአ):- ዝሓለፉ ስብራታት መርሚርና፣ ብቕልጡፍን ብመገዲ ፈጠራን ሪፎርም እናገበርና፣ እቲ ዝመፀእ ዘሎ ዓለም ንምድህሳስ ንዳሎ ኣለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 1ይ መመስረቲ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ። ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቅድሚ ቤት ምኽሪ ቃለ መሐላ ብምፍፃም መደረ ኣስሚዖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ ካብ ዝሓለፉ ታሪኻዊ ተሞክሮታት ብምምሃር ነቲ ቅልጡፍ ለውጢ ዓለም ቀዲምካ ምርዳእን ንዝመፅእ ዘመን እኹል ምድላው ምግባርን ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም። ዓለም ተኸታተልቲ ኣብዮታት ኢንዱስትሪ ብምክያድ ዓቕሚ ቴክኖሎጂን ቁጠባን እንትተዐቢ፣ ነዞም ለውጥታት ዓርሶም ዘዳለዉ ሃገራት ተዋሳእቲ እቲ ኣብዮት ክኾኑ ከም ዝኽኣሉ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብዞም ለጥውታት ብእኹል ኩነታት ተጠቃሚት ከይኮነት ከም ዝፀንሐት ብምግላፅ፣ ብምኽንያት ኲናትን ውሽጣዊ ጎንፅን ምስ ጉዕዞ ለውጢ ዓለም ብተመጣጣኒ መልክዑ ክትጓዓዝ ከም ዘይክኣለት ኣዘኻኺሮም። ቀዲምካ ዘይምድላው ከም ሃገር ዘኽፍሎ ዋጋ ንምርኣይ ድማ ዳግማይ ወረራ ጣልያን ከም ኣብነት ገይሮም ኣልዒሎም። ኣብ ውግእ ዓድዋ ዝተስዓረ ሓይሊ ጣልያን ንኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝፀንሐ ምድላው ድሕሪ ምግባር ዳግማይ ናብ ኢትዮጵያ ምምፃኡ ዘዘኻኸሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ብኣንፃሩ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዓወት ዓድዋ ብእኹል ኩነታት ከይተዳለወት ምፅናሓ ኣብ ውግእ ማይጨው ምስቲ ዝተቐየረ ቴክኖሎጂ ውግእ ንኽትገጠም ከም ዝተገደደት ገሊፆም። ኣብቲ እዋን እቲ ወራሪ ሓይሊ 450 ዘመናዊ ነፋሪት ሒዙ እንትመፅእ፣ ኢትዮጵያ ካብ 12 ዘይበልፃ ወተሃደራዊ ዘይኮና ኣናእሽቱ ነፈርቲ ሒዛ ንምግጣም ምግደዳ እውን ኣልዒሎም። ስለዝኾነ ካብ ዝሓለፉ ታሪኻዊ ልምድታት ብምምሃር ነቲ ቅልጡፍ ለውጢ ዓለም ኣቐዲምካ ምርዳእን ንዝመፅእ ዘመን ብእኹል ኩነታት ምድላው ምግባርን ወሳኒ ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደረኦም ገሊፆም። ሓደ ግዘ ብዕንቅፋት ምውቃዕ ተፈጥሮኣዊ እንተኾውን እውን ዳግማይ ምውቃዕ ግን ናይ ጥዕና ከም ዘይኮነ ብምጥቃስ፣ ነቲ ዝሓለፈ ብምርዳእ ዝሓሸ ምድላው ምግባር ቀፃሊ ጉዕዞ ሃገር ንምዕዋት ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም። ኢትዮጵያ ሎሚ ኣበይ ከም ዘላ ብምግምጋም ዝመፁ ለውጥታት ኣቐዲምካ ብምፅባይን ብምድላውን ኣብ ጉዕዞ ለውጢ ዓለም ተዋሳኢት ኰይና ክትቅፅል ከም ዘለዋ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ምስ ጎረቤት ሃገራት ብምትሕብባር ክትሰርሕ እያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 5, 2026 47
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 25/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ንምኽባር ምስ ጎረቤት ሃገራት ብምትሕብባር ከም ትሰርሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 1ይ ዓመት ዘበን ስርሑ 1ይ መመስረቲ ስሩዕ ጉባኤኡ ልክሚ ኣካይዱ። በዚ ድማ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሰይሙ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እውን ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቦም ቃለ መሓላ ፈፂሞም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ርክብ ወፃኢ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ፅልዋኣ ብዘዕቢ መልክዑ ክድህሰስ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ በዓል ብዙሕ ወገን ርክብ ብሄራዊ ረብሓኣ መሰረት ገይራ ብሓባር ከም ትሰርሕ እውን ኣፍሊጦም። ጎረቤት ሃገራት ብተፈጥሮ ዝተራኸባ ፈተውቲ ከም ዝኾና ብምግላፅ፤ ምስ ኩለን ብሰላም፣ ሓባራዊ ረብሓን ምትሕብባርን ናይ ምስራሕ ቅዋምና ክንቕፅለሉ ኢና ኢሎም። ስልጣነ ኢትዮጵያ ብዘይ በሪ ባሕሪ ጋህዲ ክኸውን ከም ዘይኽእል ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ኢትዮጵያ ብቅዋም ሂብካ ምቕባል ወፂኻ መእተዊ ብሪ ንክህልዋ ተጊሆም ከም ዝሰርሑ እውን ኣረጋጊፆም። ዘበናዊ፣ ቅልጡፍ፣ ኩሉ ግዜ ድሉው፣ ብቑዕን ንቑሕን፣ በቢ ዓውድታት ናይ ምውፋር ዓቕምን ቁመናን ዘለዎ ሰራዊት ምክልኻል ክኸውን እዩ ኢሎም። ፀገማት ቅድሚ ምፍጣሮም ቀዲምካ ምፍላጥን ምግታእን፣ እንተመፂኦም እውን ምክልኻል፣ እንተገዲዱ እውን ከም ኣቦታቱን ከም ልማዱን ምዕዋት ዝኽእል ሓይሊ ኮይኑ ምህናፁ ክቕፅል እዩ ክብሉ ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን ትካላት ሃይማኖት፣ ሲቪክን ባህልን ንስልጣነ ኢትዮጵያ ግቡእ እጃም ንከበርክቱ ምችው ኩነታት ከም ዝፍጠር ተዛሪቦም። ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነታ ዘረጋገፀት፣ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነታ ዝፀንዐ፣ መፍረያይነት ባህሊ ንግባር እትተግህ፣ መራሒትን ግንባር ቀደምን ዝኾነት ጠንካራ ኢትዮጵያ ናይ ምህናፅ ታሪኻዊ ዕድል ኣብ ቅድሜና ኣሎ ክብሉ ኣረዲኦም። #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ
ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ መሐሙድ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም
Oct 5, 2026 51
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 25/2019 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ መሐሙድ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም። መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 1ይ መመስረቲ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ። ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሀሰን ሼክ መሐሙድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዳግማይ ብምምራፆም እንኳዕ ደስ በሎም ኢሎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ሓዱሽ ዘበነ ስልጣኖም ዓወት ንክገጥሞም እውን ተመንዮም። እቶም ፕሬዚዳንት ወሲኾም እውን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻርን ኣብቲ ዞባ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላም፣ ምርግጋዕን ሓባራዊ ብልፅግናን ንክዓስል ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብቐረባ ንምስራሕ ድሉው ምዃኖም ኣረጋጊፆም። #መንግሥቲ_መደመር #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ
ራኢ ኢትዮጵያ ብዝሓስብ ኣእምሮን ብዝሰአሑ ኣእዳውን እንትምራሕ ይሰምርን ይፀንዕን-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ
Oct 5, 2026 44
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 25/2019 (ኢዜኣ) ራኢ ኢትዮጵያ ብዝሓስብ ኣእምሮን ብዝሰአሑ ኣእዳውን እንትምራሕ ይሰምርን ይፀንዕን ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 1ይ መመስረቲ ስሩዕ ጉባኤኡ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ። ፕሬዚዳት ታዬ ኣፅቀሥላሴ ኣብ መልእኽቶም፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኮይኖም ዳግማይ ብምምራፆም ዝተሰምዐኒ ታሕጓስ ክገልፅ ይፈቱ ኢሎም። ራኢ ኢትዮጵያ ብዝሓስብ ኣእምሮን ብዝሰአሑ ኣእዳውን እንትምራሕ ይሰምርን ይፀንዕን ክብሉ እውን ተዛሪቦም። ንታሪኻዊት ሃገር ኢትዮጵያ ንከገልግሉን ዕዉትብ ውፅኢታውን ዘበነ ስራሕ ንክኾነሎምን እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም። #መንግሥቲ_መደመር #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ
ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋን ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም
Oct 5, 2026 44
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 25/2019 (ኢዜኣ) ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋንን ፕሬዚዳንት ብሩንዲን ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም። መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 1ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ 1ይ መመስረቲ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ። ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋንን ፕሬዚዳንት ብሩንዲን ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ደጊሞም ብምምራፆም እንኳዕ ደስ በሎም ኢሎም። ሓዱሽ ዘበነ ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕዉት ንክኸውን እውን ተመንዮም። ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ብሄራዊ ሽቶታታ ንምዕዋት ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ዕቤት፣ ሓድነትን ብልፅግናን ህዝባ ዘላቒ ኮይኑ ከም ዝቕፅል ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት፤ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም፣ ዞባዊ ምርግጋዕ፣ ጠንካራ ምትሕብባርንሓባራዊ ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ንምርግጋፅ ምስ መንግሥትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብቀረባ ብምስራሕ ዘለዎም ፅኑዕ ቆራፅነት ኣረጋጊፆም። #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ
ሃገርና ዘጋጥምዋ ፈተናታት ብመንፈስ ሕውነትን ሕውነት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ማዕረ እንትንጎዓዝ እዩ ክንሳገሮ ንኽእል-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 5, 2026 41
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 25/2019 (ኢዜኣ) ሃገርና ዘጋጥምዋ ፈተናታት ብመንፈስ ሕውነትን ሕውነት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ማዕረ እንትንጎዓዝ ጥራሕ እዩ ክንሳገሮ ንኽእል ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 1ይ ዓመት ዘበነ ስርሑ 1ይ መመስረቲ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ንዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ። እቶም ቀዳማይ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት መረፃ ኣካይድና፣ ኣብ ሕጋዊ መረፃ እምነት ኣንቢሮም፣ብድምፆም መንግሥቲ ንምፅናዕ ብተግባር ንዝተኣመኑ ዜጋታት ካብ ልባዊ ምስጋናይ የቕርብ ኢልልም። ወርቂ ብሓዊ ከም ዝፍተን ኩሉ ባህሊ ዲሞክራሲ እውን ኣብ ኣዋን መረፃ እዩ ዝፍተን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ዘሕለፍናዮ መረፃ ከም ዝኾነ ህዝባዊ መረፃ ተኻይዱ ተባሂሉ ጥራሕ ዝግለፅ ኣይነበረን ክብሉ እውን ሓቢሮም። በቢ በረኽኡ ዝዓረዱሉ፣ በቢ ሚድይኡ ዘፅላእልእዎ፣ብሓሶት ሓበሬታ እናፈራርሑዎ፣ ኣብ ማእኸል ብዙሕ ፈተናታት ሓሊፉ ህልውንኡ ንምፅናዕ እቲ ህዝቢ ፈቒዱ መሪፁ እዩ ኢሎም። ሓፈሻዊ ከይዲ እቲ መረፃ ባህሊ ዲሞክራሲ ካብ መሰረቱ እናተጠናኸረ ከም ዝመፀ ብግልፂ ዘርኣየ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ንቀፃሊ ታሪኽ ብድሙቕ ብዕር ከም ዝፅሕፎ ወለዶ እውን ደጋጊሙ ከም ዝዝክሮ ጥርጥር የብለይን ክብሉ እውን ተዛሪቦም። ዝኾነ መረፃ ሰዓርን ተስዓርን ክህልዎ ይኽእል እዩ፤ ኢትዮጵያ ግን ሰዓሪ እምበር ተስዓሪ ዜጋ ከም ዘይህልዋ በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግፀልኩም ይፈትው ኢሎም። ሃገርና ዘጋጥምዋ ፈተናታት ብመንፈስ ሕውነትን ሕውነት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ማዕረ እንትንጎዓዝ ጥራሕ እዩ ክንሳገሮ ንኽእል ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ሎሚ እቲ ዘበን ከም ዝተቐየረን ነገራት ከም ቀደም ከም ዘይኮኑ ኣረዲኦም። ሃገራዊ፣ ዞባውን ዓለም ለኻውን ኩነታት ብቕልጡፍ ከም ዝለዋወጡ ብምግላፅ፤ ድሕሪ ክልቲኦም ኲናታት ዓለም ፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን መልክዓት ዓለም ኣብ ቕልጡፍ ለውጢ እዮም ዝርከቡ ኢሎም። #ዓባይ_ሃገር #ዓብይ_ህዝቢ #ዓብይ_ራኢ
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም
Oct 5, 2026 34
ኣዲስ አበባ፤ መስከረም 25/2019 (ኢዜአ)፦ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም። ኣብ 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ መስራቲ እቲ ቤት ምኽሪ 1ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሸይሙ፡፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ደጊሞም ብምራፆም እንኳዕ ደስ በሎም ክብል ይፈቱ ኢሎም። ዋና መቐመጢ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካን መዲና ዲፕሎማሲ ኣፍሪካን ዝዀነት ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣህጉርን ህዝብታቱን ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ሃገር እያ ኢሎም። እቶም ኣቦ መንበር ኣብ መልእኽቶም፣ እቲ ሕብረት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ምስቲ መንግስትን ኣጀንዳ ምትእስሳር፣ ሰላም፣ ድሕነትን ልምዓትን ኣፍሪካ ብዝተጠናኸረ መልክዕ ንኽቕፅል ብቐራርባ ምስራሕ ከም ዝቕፅል ተዛሪቦም።
ብመሰረት ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ክህሉ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Oct 5, 2026 33
ኣዲስ አበባ፤ መስከረም 25/2019 (ኢዜአ)፡- ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረት ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ከም ዝህሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም። ምስረታ መንግስቲ መደመርን ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢን ተኻይዱ። እቲ ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ገይሩ ሸይሙ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነቲ ሹመት ስዒቡ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ብመሰረት ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ክህልወና እዩ ኢሎም። ፖለቲካዊ ምህዳር ኢትዮጵያ ኣብ ሚዛን ንሕንሕን ምትሕብባርን ተመስሪቱ ክቕፅል ከም ዝግበር ኣፍሊጦም። በዙይ ድማ ካብ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ብፍላይ ድማ ኣብ ከይዲ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ምስ ዝነበሮም ፓርቲታት ብሓባር ንምስራሕ መንግስቲ ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ብዕብየት ንቕድሚት ክትቅፅል እያ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Oct 5, 2026 32
ኣዲስ አበባ፤ መስከረም 25/2019 (ኢዜአ)፡- ኢትዮጵያ ፈተናታት ብፅንዓት ተሳጊራ ብዕብየት ንቕድሚት ክትቅፅል እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ምስረታ ሓዲሽ መንግስትን ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ይካየድ ኣሎ። እቲ ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ብቀዳማይ ሚኒስትርነት ንክመርሑ መሪፅዎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነቲ ሹመት ስዒቡ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሓት ፈተናታት ብፅንዓት ከም ዝሓለፈት ገሊፆም። ዕብየትን ሕንባበን ኢትዮጵያ ዘይተዋሕጠሎም ግዳማውን ፀላእትን ውሽጣዊ ባንዳታት ሃገር ንምውዳቕ እናሰርሑ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም። ውሽጣዊ ባንዳታት ንኢትዮጵያ ኣይኽእልዋን፤ ካብ ሕልማ ማንም ኣየዐንቅፋን ክብሉ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ድልየታታ ብባዕላዊ ዓቕሚን ጉልበትን ንምዕዋት ከም ትኽእል ኣመላኺቶም። መንግስቲ ተንካራን ዘይስዓርን ቁጠባውን ፖለቲካውን ስርዓት ይሃንፅ ኣሎ ኢሎም። ኢትዮጵያ ፀገማትን ፈተናታት ብፅንዓት ተሳጊራ ዝዓለመቶ ቦታ ክትበጽሕ ከም ትኽእል ኣመላኺቶም።
ኢትዮጵያ እኩይ ተግባር ፀላእቲ ብብቕዓት ንምክልኻል ድልውቲ እያ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Oct 5, 2026 32
ኣዲስ አበባ፤ መስከረም 25/2019 (ኢዜአ)፡- ኢትዮጵያ እኩይ ተግባር ፀላእቲ ብብቕዓት ንምክልኻል ድልውቲ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ምስረታ ሓዱሽ መንግስትን ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ይካየድ ኣሎ። ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ብቀዳማይ ሚኒስትርነት ንክመርሑ መሪፁ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነቲ ሹመት ስዒቡ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፣ ኣብቲ መረፃ ንዝተሳተፉ 54 ሚልዮን ዜጋታት ምስጋና ዘቕረቡ ኮይኖም፤ ብድምፆም ሃገር ንምፅናዕ ንዝገበርዎ ዕዉት ተሳትፎ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም። መበል 7 ሓፈሻዊ መረፃ ተኻይዱ ተባሂሉ ዝሕለፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ብብዙሕ መዳያት ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ተዛሪቦም። እቲ መረፃ ኣብ ኢትዮጵያ ባህሊ ዲሞክራሲያዊ እናዓበየ ከምዝመፀን ድልየት ሓይልታት ወፃእን ውሽጢ ሃገርን ዝፈሸለሉ ምዃኑ ገሊፆም። ሃገራዊ፣ ዞባውን ዓለም ለኻውን ኩነታት ብቅልጡፍ እናተቐያየሩን ዘይተገማቲ እናኾነ ምምፃኡ ብምጥቃስ፣ ነዙይ ድማ ቀዲምካ ምድላው ዕዳ ዘይኮነስ ሃፍቲ ዘምፅእ ምዃኑ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ብታሪኽ ቅድሚ ሐዚ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ድልውቲ ብዘይምዃና ብዙሕ ዋጋ ከፊላ እያ ክብሉ እውን ኣመላኺቶም። ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ ጌጋታታ ብምምሃር ንዝመፁ እኩይ ተግባር ፀላእትን ተፅዕኖታትን ንምክልኻል ኣድላዪ ምድላው ምግባራ ኣመላኺቶም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም