ፖለቲካ - ኢዜአ ትግርኛ
ፖለቲካ
ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ ዝዕወት ብጥንካረ ትካላትና ኢዩ - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Feb 18, 2025 14
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/11/ 2017 /ኢዜአ/ጉዕዞ ምንስዕርራ ኢትዮጵያን ዝዕወት ብጥንካረ ትካላትና ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ተፀዋዕነቶም ንቀዳማይ ሚኒስትር ዝኾኑ ኣፈፀምቲ ኣካላት ኣፈፃፅማ መንፈቕ ዓመት በጀት 2017 ሎሚ ገምጊምና” ኢሎም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት መንግስትና ንጥንኩር ህንፀት ትካላት ብፍሉይ ትኹረት ሰሪሑ። ብፍላይ ንቀዳማይ ሚኒስትር ተፀዋዕቲ ዝኾኑ ትካላት ንርእሶም ብዝግባእ ብምውዳብ ንህንፀት ሃገር ዝቑፀር ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝርከቡ እውን ገሊፆም። “ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተመዝገቡ ዓወታት መርአያ ዓቕሚ ትካላትና ኢዮም”። “ብፍላይ እቶም ትካላት ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ምዝማን፣ ወፃኢ ዝቑጥብ ኣሰራርሓ ምኽታል፣ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ምጥንኻርን ብዝተውሃበ ልኡኽቶ ብእንፈጥሮ ሰናይ ፅዕንቶ ከምኡ እውን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ቀፃሊ ብዝኾነ መገዲ እናገምገምካ ምኻያድ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣንፈት ኣቐሚጥና” ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
ዘበን ስራሕ ኮሚሽን ዘተ ተናዊሑ
Feb 18, 2025 10
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/11/ 2017 /ኢዜአ/ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼብኡ ፀብፃብ ስራሕ ሰለስተ ዓመታት ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ብምፍታሽ ነቲ ኮሚሽን ናይ 1 ዓመት ተወሳኺ ዘበን ስራሕ ሂቡ። ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ እቲ ባይቶ ከይዲ ስራሕ እቲ ኮሚሽን ድሕሪ ምግምጋም ኣብ ዝገበሮ ምልከታ እቲ ኮሚሽን ሓፈሻዊ ስርሑ ምዝዛም መእንታን ክኽእል ዘበን ስርሑ ንሓደ ዓመት ንክናዋሕ ምክረ ሓሳብ ኣቕሪቡ ፀኒሑ። ብመሰረት እዚ እቲ ባይቶ ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ብሰለስተ ተቓውሞ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።
ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዉት ብዝኾነ አገባብ ምፍፃሙ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ
Feb 18, 2025 10
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/11/ 2017 /ኢዜአ/መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዙሓት ኣጋይሽ ዕዉት ብዝኾነ አገባብ ምፍፃሙ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ። ሚኒስቴር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ብርቱኳን ኣያኖ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ደሚቓ ዝተርኣየትሉ ዕዉት ከምዝነበረ ተዛሪበን። ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተዓደሙ ለዕሊ 17 ሺሕ ኣጋይሽ እቶም ለዕሊ 12 ሺሕ ካብ ወፃኢ ዝመፅኡ ከምዝኾኑ ተዛሪበን። ኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ዓመት መድላው ዝገበረትሉ ከምዝነበረ በምግላፅ፥ ናይ ቀደም ዲፕሎማሰኛታት ሓዊሱ 101 ወለንታዊያን መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተሳቲፎም ኢዮም ክብላ ገሊፀን። ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገለግሎት ትራንስፖርት ሎጂስቲክስ ዝተውሃበ እንትኸውን፥ 882 ደረጀኦም ዝሓለዉ ተሽከርከርቲ ኣብ ረብሓ ከምዝወዓሉ ሓቢረን። ኣጋይሽ ለዕሊ 12 ሺሕ ስሉጥ ኣገልግሎት ቪዛ ምርካቦም ኣብሪሀን። ብሓፈሻ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብኹለ መዳይ ዕዉት ከምዝነበረ ገሊፀን።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት መናእሰይ ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Feb 18, 2025 17
ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 11/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት መናእሰይ ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ከንቲባ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። መርሃ ግብሪ ምረቓ 2ይ ዙርያ ተረባሕቲ “ልምምድ መናእሰይ ኣብ ብቕዓት ስራሕ” ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኔም ተኻይዱ። እቲ መርሃ ግብሪ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ካብ ምሃብ ብተወሳኺ መናእሰይ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ትካላት ን6 ኣዋርሕ ስልጠና ብተግባር ንክወስዱ ብምግባር ዘድልዮም ክእለትን ልምድን ንክረኽቡ ዝሕግዝ እዩ። ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ ካልኣይ ዙርያ ካብ 48 ወረዳታት ዝተውፃእፅኡ 13 ሽሕን 527 መናእሰይ ተመሪቖም እዮም። ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣብታ ከተማ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት መናእሰይ ንምርግጋፅ ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ። ኣብታ ከተማ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ንልዕሊ 142 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ኣረዲአን። ኣብ መርሃ ግብሪ ልምዓት ኮሪደር እውን ንከባቢ 70 ሽሕ ዜጋታት ቀዋምን ግዝያውን ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ብምሕባር፤ “ልምምድ መናእሰይ ኣብ ስራሕ ብቕዓት” መናእሰይ ሰሪሖም ኣብ ምልዋጥ ዕድል እናፈጠረ ከምዝኾነ ተዛሪበን። ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ብግደአን፤ ”ልምምድ መናእሰይ ኣብ ስራሕ ብቕዓት” ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ 11 ከተማታት ኢትዮጵያ ተግባራዊ እናተገበረ ምዃኑ ገሊፀን። ኣብ ፈላማይ ዙር ልዕሊ 15 ሽሕን 731 መናእሰይ ስልጠና ከምዝወሰዱ ብምሕባር፤ ልዕሊ 12 ሽሕ ስራሕ ከምዝጀመሩ ሓቢረን።
ኣብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተሳተፉ መራሕቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
Feb 18, 2025 13
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/11/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተሳተፉ መራሕቲ ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለዉ። በዚ ድማ ፕሬዚዳንት ቦትስዋና ዱማ ቦኮን ቀዳማይ ሚኒስትር ካሜሩን ጆሴፍ ጀን ጉቴን ናብ ሃገሮም አምሪሖም። ነቶም መራሕቲ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ምፍናው ከምዝገበሩሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ፥ እንኳዕ ንመበል 50 ዓመት በዓል ለካቲት-11 አብፀሐና -አብርሃም በላይ(ዶ/ር)
Feb 18, 2025 18
አዲስ አበባ/የካቲት/11/2017/ኢዜአ/ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ፥ እንኳዕ ንመበል 50 ዓመት በዓል ለካቲት-11 አብፀሐና ክብሉ ሚኒስትር አብርሃም በላይ (ዶ/ር) ገሊፆም ሚኒስትር አብርሃም በላይ(ዶ/ር) አብ መልእኸቶም ብሩኽ ቅንያት ለካቲት ክኾነልና እምነ ክብሉ አመልኪቶም :: ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ኣብ መሰረታዊ ረብሓን ሉኣላዊነት ህዝብናን መሰረት ገይሩ ሓቢሩ ክሰርሕ ትፅቢት ይግበር ዝበሉ ሚኒስትር አብርሃም ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብምልኣት ብምፍፃም ሰላምና ውሑስ ክኾንን ሙሉእ ዓቅምና ኣብ ልምዓትን ሕውየትን ህዝብና ክነድህብን ዘኽእሉ ስራሕቲ ጥራሕ ክንሰርሕ አለና ክብሉ አፅንኦት ሂቦም አብ ሰናይ መልእኸቶም ሓቢሮም :: አስዒቦም ድማ እንተንኣሰ ብወገንና ሓገዝቲ እንበር፥ ጎተትቲ ፣ መሐንኮልቲ ከይኾና አብ ሰላምን ልምዓትን አድሂብና ንዘላቒ ረብሓ ጠጠው ክንብል በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ የቅርብ ኢሎም:: ደጊመ ርሑስ በዓል ለካቲት 11 ክኾነልና ይምነ !!
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ን ባዓል 11 ለካቲት ኣመልኪቶም ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤
Feb 18, 2025 19
መላእ ህዝቢ ትግራይ፥ እንኳዕ ንበዓል ለካቲት 11 አብፀሓኩም! ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ትግራዎትን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን እንኳዕ ንበዓል ለካቲት 11 አብፀሐኩም። ሃገርና ዘበናት ዘቊፀረት ገዚፍ ታሪኽን ፅኑዕ ፀረ-ባዕዳዊ ወራር መርገፅ ዝነበራን ዘለዋን ሃገር እያ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዘበናት፣ ሃገር ናይ ምምራሕ ዕድል ዝረኸቡ መራሕቲ ዳርጋ ኩሎም ክበሃል ብዝከኣል መጠን ኣብ ምኽባር ሉዑላውነት ነቕ ዘይብል ቅዋም ከም ዝነበሮም ዘከራኽር ኣይኰነን። እንተኾነ ግን ኣብውሽጣዊ ጉዳያት ብፍላይ ኣብጉዳይ ዲሞክራሲ፣ ሰናይ ምምሕዳርን ማዕረነታዊ አረኣእያን ዝነበረ ቅዋም ብኣንፃር መርገፅ ፀረ-ባዕዳውነት ዘይምዕሩይ ምንባሩ’ውን ዘከራኽር ኣይኰነን። ኣብ ታሪኽ ሃገርና እዙይ ዝበሃል ፖለቲካዊ አፈላላያት ብሕጊ ወይ ብምርድዳእ ዝፍተሐሉ መድረኽ ኢሂን-ሚሂን ኣይነበረን። ማሕበረሰብና በቢብሄሩን ከባቢኡን አፈላላያት ብምርድዳእ፣ ብዕርቅን ሽምግልናን ምፍታሕ ዳርጋ ኣብኩሎም ከባብታት ልሙድን ዝውቱርን እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ባህርን ኣገባብን እዙይ ካብ ማሕበረሰብን ከባብን ሓሊፉ ሕጋዊ መስርሕን ሃገረ-መንግስታዊ መልክዕ ከይሓዘ ምፅንሑ ዝፍለጥ እዩ። ስለዝኾነ’ውን ዳርጋ ኩሎም ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብጎንፂ ጥራይ ናይ ምፍታሕ መስርሕ ፖለቲካዊ ባህልና ኮይኑ ንዘበናት ፀኒሑን ሐዚ’ውን ይፍትነናን አሎ። ፖለቲካዊ አፈላላያት ብልዝብ፣ ብዕርቅን ምርድዳእን ካብኡ ሓሊፉ “ብሕጊ ክፍታሕ አለዎ” ዝብል ኣምር ከም ኣምር ብመንግስቲ ደረጃ ድሕሪ ለውጢ ኣብዘለዉ ውሑዳት ዓመታት ዝተትሓዘ መርገፅ ምኳኑ ይፍለጥ። መንግስቲ ከም እምነት ጥራይ ዘይኰነስ ሕጋውን ትካላውን መስርሕ ዘርጊሑ ዝትግብሮ ዘሎ መስርሕ እዩ። ይኹን እምበር፣ ከምዙይ ዓይነት መስርሕ ናይ ቀረባ እዋን ተጓንፎን ገና ዝተኣታቶ ዘሎ ጉዳይ ምኻኑ ልቢ ምባል ኣድላዪ እዩ። ስለዝኾነ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መላእ ሃገር ተዘርጊሑ ዝነበረ ጭቆናን ዘይምዕሩይን ስርዓት ክእለየሉ ዝኽእል መድረኽ ኢሂን-ሚሂን ወይ ሕጋዊ መስርሕን ኣብዘይነበረሉ እዋን ዝነበሮ መማረፂ ጎድና-ጎድኒ ምስ ካልኦት መሓዙት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብስርዑን ብዝተወደበን መገዲ ብሓይሊ ብረት ናብ ቃልሲን ማዕርነትን ዲሞክራስን ክለዓል ኣድላዪ ገይሩ ብመውሳድ፣ ለካቲት 11 ብረት ኣልዒሉ ቃልሲ ጀምሩ ። ብመሰረቱ ጎንፃዊ መገድን ብረታዊ ተጋድሎን ዝድገፍ እኳ እንተዘይኰነ፣ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፖለቲካውን ሕጋውን ኩነታትግን ብረት ከልዕል ከምዘለዎ ኣሚኑ ምብጋሱ ግድን ነይሩ። እንተኾነ ለካቲት 11 ዝተወለዐ ፖለቲካውን ጎንፃውን ቃልሲ፣ ካብ መብዛሕቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ጎንፃዊ ፖለቲካዊ ቃልስታት ዝፍለየሉ ባህሪ አለዎ። ንሱ ድማ፥ ድሕሪ ዓወት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል፣ ብብርኪ ሃገር ኮነ ከም ብሄር ዝፍጠር ኣፈላላያት፣ ብፖለቲካዊ መገዲ፣ ኢሂን ምሂን ብምባል ብሕጊ ዝኽንበተሉ ኣገባብ ምፍጣር እዩ። ከምኡውን፣ መመሊስና ብረት ነልዕለሉ አገባብ ሓንሳእን ንሓዋርን ከብቅዕ ምግባር ይርከቦ። ስለዝኾነ ፍርያት ለካቲት 11 ፣ ዝኾነ አፈላላያት ብብረት ዘይኰነ መጀመርታ ብልዝብ እንተገደደ ግና ብሕጋዊ መገዲ መዕለቢ እንገብረሉ ኣገባብ ኣብ ስራሕ ምውዓል ክብርታት ለካቲት 11 ምኻኑ ደጊምካ ምግንዛብ የድሊ። ኣብ ዝሓለፉ ናይ ቀረባ ዓመታት ዝገጠመና ቅርሕንቲ ንምፍታሕ ዝተኸተልናዮ ጎንፃዊ ኣገባብ፣ ካብቶም ዕላማታት ለካቲት ዝወፀ ምንባሩ ግልፂ እንትኸውን፣ ድሕሪ ከቢድ ዋጋ ምኽፋል ናብ ልዝብ ምምላስና ግን ዝነኣድ ስጉምቲ እዩ። ይኹን እምበር፣ ሕዚ እውን እንተኾነ፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብብረት ናይ ምፍታሕ ድሌታት ውጥም-ቅልቅል ምባሎም ኣይተረፈን። ኣብዙ እዋን ምስኩሉ ፀገማቱን ጉድለታቱን ፖለቲካዊ አፈላላያትና ብልዝብን ምርድዳእን እንፈትሐሉ ድሌት ከምኡውን፣ ሕጋውን ትካላውን መስርሕ ምዝርጋሕና ኣብ ግምት ክነእቱ ይግባእ። ካብኡ ሓሊፉ “ዝኸፈልናዮ ረዚን ዋጋ ይኣክል” ብምባልን ከምቲ እቲ “ዝሓለፈስ ሓለፈ ፀሓፍ ናይ ዝተረፈ” ዝበሃል፤ ሕሉፍ ጌጋታትና ኣሪምና ብብርኪ ክልል ዝተጀመረ መድረኽ ኢሂን-ሚሂን ተጠናኺሩ ክቕፅልን ፣ ብብርኪ ሃገር ዘለና አፈላላይ ብቁልጡፍ ኣዐሪና ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ዝተኣጓጎለ ሰለጤን ልምዓት ክጠናኸር፣ ቁጠባዊ ሕውየትን ማሕበራዊ ምርግጋዕን ክረጋገፅ፣ ብህዝቢ ዝምረፅ መንግስቲ ክትከልን ሰላምን ፍትሕን ክሰፍን ዘኽእል ኩነታት ክፍጠር ካብ ልቢ ክንሰርሕ ብዕሊ ይፅውዕ። በዚ መገዲ እዙይ ምሕሳብ እንተጀሚርና፣ ህዝብን ሊሂቃን ትግራይ ናብ ስሩዕ መስርሕ ሕገ-መንግስቲ ዝምለሰሉን ኣብሃገረ መንግስቲ እውን ብግቡእ ተሳትፎኡ ዘሐይለሉን ጊዜ ሓፂርን ክውንን ከምዝኸውን እናረጋገፅኩ ፤ ደጊመ ሰናይ በዓል ለካቲት 11 ክብል እፎቱ! ኢትዮጵያ ብፅዕረት ደቃ ተከብራን ተሓፍራን ንዘልኣለም ትነብር!! ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ! ለካቲት 10 2017 ዓ.ም
መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ተዛዚሙ - ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
Feb 17, 2025 15
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/10/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡ ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ብዛዕባ እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 46 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን ብዓወት ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም፡፡ ኣብቲ ጉባኤ ካብ ወትሩ ብዝተፈለየ መልክዑ ብዙሓት ኣጋይሽን ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽን ዝተሳተፉሉ ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ናይዚ ዓመት ጉባኤ ፍሉይ ዝገብሮ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዲፕሎማሲዊ ዓወታት ኣብ ዘሳለጠትሉ እዋን ምክያዱ እዩ ክብሉ ኣልዒሎም፡፡ እቲ ጉባኤ ብዕዉት ኩነታት ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
ኢትዮጵያን ዩናይትድ ኪንግደምን ብምትሕብባር ኣብ ዝሰርሐኦም ዛዕባታት ዘቲየን ኣዲስ
Feb 17, 2025 16
ኣበባ/የካቲት/10/ 2017 /ኢዜአ/ ምክትል ቀዳመይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም ኣንጄላ ሬይነር ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም። እተን ሃገራት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሓዊሱ ኣብ ቴክኖሎጂን ካልኦት ዓውዲታትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽአል ውፅኢታዊ ዘተ ምግባሮም ኣይተ ተመስገን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም። ዑደት እተን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ከብ እናበለ ምምፅኡ ከምዘርእይ ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አሕመድ (ዶ/ር) ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እንግሊዝ ዘቲዮም
Feb 17, 2025 14
ኣዲስ ኣበባ/ የካቲት/10/ 2017 /ኢዜአ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እንግሊዝ ኣንጄላ ሬይነር ጋር ኣብ ክልቲኣዊ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣካይዶም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዊ መልእኽቲ፥ ሎሚ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እንግሊዝ ኣንጄላ ሬይነር ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ክልቲኣዊን ኩለ መዳይን ዛዕባታት ውፅኢታዊ ዘተ ገይርና ኢሎም። ኢትዮጵያን እንግሊዝን ነዊሕ ታሪከን ዓምዩቕ ርክብን ከምዘለወን ገሊፆም። ዑደት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዑደት እውን ነቲ ርክብ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ሓቢሮም። ንቕድሚት እንትንርእይ፣ ርክብና ልዕሊ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ብምስፋሕ ልዑል ምትሕብባር ንግዲን ኢኮኖሚን ይውስኽ ኢሎም።
ጉባኤ ሕብረት አፍሪካ ንከተማና ድምቀትን ምንቕቓሕ ኢኮኖሚን ፈጢሩ ኢዩ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Feb 17, 2025 20
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/10/ 2017 /ኢዜአ/ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንከተማና ድምቀትን ምንቕቓሕ ኢኮኖሚን ፈጢሩ ኢዩ ክብላ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ እቲ ጉባኤ ኣመልኪተን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን÷ "ጉባኤ እቲ ሕብረት ንከተማና ድምቀትን ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ ፈጢሩ ኢዩ" ኢለን፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ መስሕባት ቱሪዝምን ፅቡቕ ምስሊ እታ ከተማን ከምኡ እውን ጨዋነትን ጋሻ ተቐባላይነትን ነበርታ ኣብ ምፍላጥ ልዑል ግደ ከምዝተፃወተ ገሊፀን። ከንቲባ ኣዳነች ነበርቲ እታ ከተማ ንዘርአይዎ ልዑል ምኽባርን ኣቀባብላን ኣጋይሽ ምስጋና ኣቕሪበን፡፡
መበል 42 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ
Feb 17, 2025 14
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/10/2017 /ኢዜአ/ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 42 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡ 1. እቲ ቤት ምኽሪ ፈለማ ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደደጋ ኢትዮጵያ ኢዩ፡፡ እቲ ኣዋጅ በቲ ትካል ዝተጀመረ ስርዓት ሪፎርም ናብ ተግባር ብምልዋጥ ኣብ ኢትዮጵያ ሕድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ባህሊ ህዝቢ ናይ ምድንፋዕን ተረዳኣይነት ብዘላቕነት ብዓቕሚ ሃገር ንምውፃእ ማእኸል ዝገበረ ግዳያት ስግኣት ሓደጋ ንዝኾኑ ዜጋታት ካብ መርህታት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ፕሮግራማት ዘላቒ ልምዓትን ምስ ምዕሳል ሰላም ብምትእስሳር ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ሞራላዊን ጉድኣት ንምንካይ ዘኽእል ኢዩ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡ 2. ብምቐፃል እቲ ቤት ምኸሪ አብ ደንቢ መጣየሺ ሰለስተ ትካላት ተደሪኹ እዩ ዘተ ዘካየደ ፡፡ መጣየሺ ደምቢ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዕላማኡ ንምዕዋት መስተኻኸሊታት ኣወዳድባን ለውጢታት ኣሰራርሓን ንምግባር፤ ግሩፕ ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ምክልኻልን መጣየሺ ደምቢ ማእኸል ዲያግኖስቲክ ምክልኻን እቲ ትካል ልእለ ሕክምና እታ ሃገር፣ ጠለብ ኣገልግሎታት ዲያግኖስቲክስን ተዛመድቲን ንምምላእ፤ ከምኡ እውን ዝሐሸ ሕክምና ንምእላሽ ናብ ወፃኢ ሃገር ዝኸዱ ተሓከምቲ ብርኪ ሃገር ኣገልግሎት ንኽረኽቡ መጣየሺ ደምቢ ግሩፕ ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ተግባርን ሓላፍነትን እቲ ትካል ብምድንጋግ ንዕቤት ሃገር ግድኡ ንኽዋፃእ ንምግባር ማዕቐፍ ሕጊ ኮይኑ ንኸገልግል ቀሪቡ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቶም ረቀቕቲ ደምቢታት ድሕሪ ምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሞም ካብ ዝወፅኡሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕሉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አሕመድ(ዶ/ር) ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክዛዘም ዝከኣሎም ንዝገበሩ ኩሎም አመስጊኖም
Feb 17, 2025 15
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/10/ 2017 /ኢዜአ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክዛዘም ዝከኣሎም ንዝገበሩ ኩሎም አመስጊኖም። መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ተዛዚሙ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሃገርና ኢትዮጵያ እወን ከም መጠን መንበር እቲ ሕብረት ትፅቢት ዝግበረላ ኩሉ ፈፂማ ኢያ ኢሎም። እቲ ዝተገበረ እንግዶትን መርሃ ግብሪታትን ነቶም ኣጋይሽ ዘገርም ከምዝኾነ ሓቢሮም። እቶም ኣጋይሽ ዘይርሳዕ መዘከርታ፣ ዘይሃስስ ዝኸሪ ነክህልዎም ገይራ ኢያ። ብመሰረት እዚ እዋን ፃንሒቶም ዘናውሑ ኣጋይሽ ብርክት ዝበሉ ኢዮም ኢሎም። ኢትዮጵያ ንምዕዋት ዕላማታትን መትከላትን እቲ ሕብረት ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣብቲ ጉባኤ ምድላውን እንግዶትን ብተግባር ከምዘርኣየት አወን ገሊፆም። ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንክዛዘም ዝከኣሎም ንዝገበሩ ኩሎም ድማ አመስጊኖም። ሀዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነቶም ኣጋይሽ ግቡእ ክብሪን እንግዶትን ብምሃብ፣ መገዲታት እንትዕፀዉ ብትዕግስቲ ብምፅባይ፣ ነቲ ጉባኤ ዕዉትነት ትፅቢት ዝግበረሉ ኩሉ ምግባሩ አመስጊኖም። ብመሰረት እዚ ብሽም መንግስቲ ኢትዮጵያን ብባዕሎምን ምስጋና ኣቕሪቦም።
ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣፍሪካዊ ፍታሕ ዝተረአየሉን ትምህርቲ ዝተረኸበሉ'ዩ ተባሂሉ
Feb 17, 2025 13
አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ኢዜአ/ብ23 ጥቅምቲ 2015 ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንኣፍሪካዊ ፀገም ኣፍሪካዊ መፍትሒ ብተግባር ዝተፈፀመሉን ትምህርቲ ዝተረኽበሉን ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብዛዕባ መስርሕ ስምምዕን ካብቲ ስምምዕ ባዕሉን እንታይ ክንመሃር ንኽእል? ዝብል ብሕብረት ኣፍሪካ ፀብፃብ ቀሪቡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እቲ ስምምዕ ብኣፍሪካውያን ተግባራዊ ክኸውን ካብ ቀዳማይ መዓልቲ ጀሚሮም ብቆራፅነት ከምዝሰርሑ እውን ተገሊፁ። እቲ ስምምዕ ሰላም ብወረቐት ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ከምዝተራእየ እውን ተገሊፁ። እቲ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ተሰናባቲ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፉኪ ማሃማት፣ነበር ፕረዚደንት ናይጀርያን ኣባል ድርድር ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪካን ኡሊሲንጎን ኦባሳንጆን ላዕለዎት ኮሚሽነራትን ኣቕሪቦም። ኣብቲ መደብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)ን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ፌደራልን ከምኡ እውን ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን መራሕቲ ህወሓትን ከምተረኸቡ ፀብፃብ ኢቢሲ የመልክት ።
ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ሓዳሽ ንዝተመረፃ ኣዶ መንበር ትካል ቀዳማዊት እመቤታት ኣፍሪካ መልእኽቲ እኳዕ ደስ በለክን ኣመሓላሊፈን
Feb 16, 2025 30
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/9/ 2017 /ኢዜአ/ቀዳማዊት እመቤት ሴራሊዮን ፋጢማ ማዳ ባዮ (ዶ/ር)ኣዶ መንበር ትካል ቀዳማዊት እመቤታት ኣፍሪካ ብምዃን ተመሪፀን። ቀዳማዊት እመቤት ኣንጎላ ዲኣስ ላውሬንኮ ድማ ምክትል ኣዶ መንበር ብምዃን ተመሪፀን። ቀደማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ንዝተመረፃ ሓደሽቲ ቀዳማዊት እመቤታት መልእኽቲ እኳዕ ደስ በለክን ምምሕልላፈን ካብ ቤት ፅሕፈተን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
ንኢትዮጵያ ከይዲ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ - ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አሕመድ (ዶ/ር)
Feb 16, 2025 23
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/9/ 2017 /ኢዜአ/ንኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ዝጀመረቶ ከይዲ ኣብ ሓፂር እዋን ንምዝዛም ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ንጎዚ ኦኮንጆ ኢዌላ (ዶ/ር) ተዛቲዮም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዘተኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ፃዕሪ ክትገብር ምፅንሓ አዘኻኺሮም ፡፡ ኣባል እቲ ትካል ንምዃን ዘድልዩ መዐቀንታት ንምፉካስ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን፡፡ ኢትዮጵያ ተግባራዊ እናገበረቶም ኣብ ዝርከቡ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝምልከት ነተን ዋና ዳይሬክተር ገለፃ ገይሮምለን፡፡ ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ብዝሓለወ መልክዑ ኣባል እቲ ትካል ንኸትኾን ትፅቢት ይግበር ከምዘሎ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣመልኪቶም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አህመድ (ዶ/ር)ምስ ፕሬዚዳንት መፍትሒታት ዘላቒ ልምዓት ኔትዎርክ ተዛቲዮም
Feb 16, 2025 26
አዲስ አበባ/የካቲት/9/2017/ኢዜአ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት መፍትሒታት ዘላቒ ልምዓት ኔትዎርክ ሕቡራት መንግስታት ጄፍሪ ዲ ሳች (ፕ/ር) ተዛቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምቢያ ዳይሬክተር ማእኸል ዘላቒ ልምዓትን ፕሬዚዳንት መፍትሒታት ዘላቒ ልምዓት ኔትዎርክ ሕቡራት መንግስታት ጄፍሪ ዲ ሳች (ፕ/ር) ከምዝተዛተዩ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ዘተኦም ድማ ምስ ዕቤት ኣብ ዝተተሓሓዙ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከምዝተዛተዩ ብምግላፅ÷ ጄፍሪ ዲ ሳች (ፕ/ር) ሕዚ እውን ናይ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ፈታዊ ከምዝኾኑ ኣልዒሎም፡፡ እቲ ዘተ ጎድና ጎድኒ ካልኣይ መዓልቱ ዝሓዘ መበል 38 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተኻየደ ኢዩ፡፡