ኢትዮጵያ ሳልሳይ ፎረም ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣፍሪካ ከተታአናግድ እያ - ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል

 

አዲስ አበባ/ ሰነ/ 27/2017(ኢዜአ) ኢትዮጵያ ሳልሳይ ፎረም ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣፍሪካ ካብ ሰነ 30 እስጋብ ሓምለ 2/2017/ከም ተታአናግድ  ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን

ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዓቕሚ መናእሰይ ንምጉልባትን ዕድላት ንምጥቃምን ዓቕሚ ዝፈጥር ምዃኑ ብምሕባር፤ ናይ ሎሚ ፎረም ኣብ ሕርሻ ክፍለ ኢኮኖሚ ትኹረት ክገብር እዩ ኢለን፡፡

እቲ ፎረም ንዝሓለፉ ክልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ከም ኣህጉር ዘሎ ዓሙቕ ሃፍቲ ናብ ጭቡጥ ዓቕሚ ንምቕያር ዕድላት ብዝፈጥር መልክዑ ምክያዱ ተገሊፁ ፡፡

እተን ሚኒስትር ኣብ መግለፂአን  ኣብቲ ፎረም ሚኒስትራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኢንቨስተራት፣ ተመራመርትን  ኢንተርፕራይዛትን ፈጠርቲ ስራሕን ሓዊሱ ልዕሊ 1 ሺሕን 500 መዳርግቲ ኣካላት ክሳተፉ እዮም፡፡  ኢትዮጵያ ኣብ እዚ ሓዚ እዋን ምስንዳአ ዛዚማ ኣጋይሻ ንኸትቐበል ተሰናድኣ ኣላ ።

እቲ ፎረም ኣብ ቀፃሊ ካብ 30 ሰነ ክሳብ 30 ሓምለ 2017 . ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ከምዝካየድ ተፈሊጡ ኣሎ ፡፡

እቲ ፎረም  ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ሕብረት አፍሪካን ትሬድ ግሩፕ ኣፍሪካን (African Electronic Trade Group ) ብምትሕብባር ምኹኑ ኣብ እቲ መግለፂ ታሓቢሩ አሎ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም