ካብ ኣባላት ቤት ምኸሪ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝቐረቡ ሕቶታትን ሪኢቶታትን :- - ኢዜአ ትግርኛ
ካብ ኣባላት ቤት ምኸሪ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝቐረቡ ሕቶታትን ሪኢቶታትን :-

ስርዑ ኣኼባ ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ምክያድ ይርከብ
ካብ ኣባላት ቤት ምኸሪ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝቐረቡ ሕቶታትን ሪኢቶታትን :-
*ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንዓለም ኣብነት ዝኾነ ዘደንቐ ተግባር ፈፂማ እያ
*ብመንግስቲ ለውጢ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናብ መድረኸ ክመፅእ ኪኢሉ ።መንግስቲ እናካየዶ ዝርከብ ስራሕ ምንቅስቓስ ዲፕሎማሲ ኣዝዩ ዘተባብዕ እዩ ።ኣብ ጉዳይ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ መብሪሂ እንተዝዋሃብ
*ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ከተማ እስጋብ ገጠር ይካየድ ዘሎ ልምዓት ኮሪዶር መልክዕ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝቐይር እዩ ፥ እዚ ፕሮጀክት ኣብ እዚ ሓዚ እዋን ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ ኣብ ዝርያ እዚ መብርሂ እንተዝህቡ
*ግዕዝይና ጠንቂ ምዕባለናን ሰላምናን ኮይኑ ንከይቐፅል ብወገን መንግስቲ እንታይ ዝተትሓዘ ቅዋምን ዝተቐመጠ ኣንፈትን ኣሎ
*ቑጠባ ሃገርና ልዑል ምዕባለ ኣብ ምምዝጋብ ዝርከብ እንትኾነ እውን ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዝርከብ ማሕበረሰብ ብምኸባር ናብራ እናተጎድአ እዩ እንታይ ፍታሕ ኣሎ
*ንመንኣሰይ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ብወገን መንግስቲ ዝተወገኑ ሰናይ ተግባራት አለዉ ኮይኑ ግና ሓዚ እውን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ጎልቢቱ እንተዝቐፅል
*ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ካብ ማኣዲ ትምህርቲ ሪሒቖም ዝርከቡ ዓበይቲ መናእሰይ አለዉ ነዚኦም ናብ ማኣዲ ትምህርቲ ንምምላስ እንታይ ዝተቐመጠ ኣንፈት ኣሎ መብርሂ እንተዝዋሃብ
*ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ንሰላም ማሕበረሰብ ዝህውኹ ሸፋቱን ፅንፈኛታትን ንዜጋታት እንትቐትሉን ክዕፍኑን ይራኣይ ፍታሕ እንተዝቐመጥ
*ኣብ ሃገርና ናህሪ ዋጋ እነወሰኸ ንዓቐሚ ሸማታይ ይፈታተን ኣሎ። ብፍላይ ሰራሕተኛ መንግስቲ ቐድሚኹሉ ተጎዳኣይ እዩ ብወገን መንግስቲ እንታይ ዝተሓሰበ ኣሎ
*ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንምጉልባት ክልላት ነንሕድ ሕዶም ንምርኻብን ፈጣን መሰረት ልምዓት ንምህናፅን እንታይ ዝተሓስበ አሎ