ካብ ኣባላት ቤት ምኸሪ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝቐረቡ ሕቶታትን ሪኢቶታትን :-


 

ስርዑ ኣኼባ ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ምክያድ ይርከብ

ካብ ኣባላት ቤት ምኸሪ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ዝቐረቡ ሕቶታትን ሪኢቶታትን :-

*ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንዓለም ኣብነት ዝኾነ ዘደንቐ ተግባር ፈፂማ እያ

*ብመንግስቲ ለውጢ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናብ መድረኸ ክመፅእ ኪኢሉ መንግስቲ እናካየዶ ዝርከብ ስራሕ ምንቅስቓስ ዲፕሎማሲ ኣዝዩ ዘተባብዕ እዩ ኣብ ጉዳይ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ መብሪሂ እንተዝዋሃብ

*ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ከተማ እስጋብ ገጠር ይካየድ ዘሎ ልምዓት ኮሪዶር መልክዕ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝቐይር እዩ ፥ እዚ ፕሮጀክት ኣብ እዚ ሓዚ እዋን ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ ኣብ ዝርያ እዚ መብርሂ እንተዝህቡ

*ግዕዝይና ጠንቂ ምዕባለናን ሰላምናን ኮይኑ ንከይቐፅል ብወገን መንግስቲ እንታይ ዝተትሓዘ ቅዋምን  ዝተቐመጠ ኣንፈትን ኣሎ

*ቑጠባ ሃገርና ልዑል ምዕባለ ኣብ ምምዝጋብ ዝርከብ እንትኾነ እውን ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዝርከብ ማሕበረሰብ ብምኸባር ናብራ እናተጎድአ እዩ እንታይ ፍታሕ ኣሎ

*ንመንኣሰይ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ብወገን መንግስቲ ዝተወገኑ ሰናይ ተግባራት አለዉ ኮይኑ ግና ሓዚ እውን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ጎልቢቱ እንተዝቐፅል

*ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ካብ ማኣዲ ትምህርቲ ሪሒቖም ዝርከቡ ዓበይቲ መናእሰይ አለዉ ነዚኦም ናብ ማኣዲ ትምህርቲ ንምምላስ እንታይ ዝተቐመጠ ኣንፈት ኣሎ መብርሂ እንተዝዋሃብ

*ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ንሰላም ማሕበረሰብ ዝህውኹ ሸፋቱን ፅንፈኛታትን ንዜጋታት እንትቐትሉን ክዕፍኑን ይራኣይ ፍታሕ እንተዝቐመጥ

*ኣብ ሃገርና ናህሪ ዋጋ እነወሰኸ ንዓቐሚ ሸማታይ ይፈታተን ኣሎ። ብፍላይ ሰራሕተኛ መንግስቲ ቐድሚኹሉ ተጎዳኣይ እዩ ብወገን መንግስቲ እንታይ ዝተሓሰበ ኣሎ

 

*ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንምጉልባት ክልላት ነንሕድ ሕዶም ንምርኻብን ፈጣን መሰረት ልምዓት ንምህናፅን እንታይ ዝተሓስበ አሎ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም