ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተወደበን ዘበናዊ መሳርሒ ዝተዓጠቐን ብኣተሓሳስባን ስነ ልቦናን ዝተሃነፀ እዩ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ - ኢዜአ ትግርኛ
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተወደበን ዘበናዊ መሳርሒ ዝተዓጠቐን ብኣተሓሳስባን ስነ ልቦናን ዝተሃነፀ እዩ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 28/2017(ኢዜኣ) ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታ ብኣግባቡ ዝተወደበ፣ነዚ ዘበን ዝምጥን ዘበናዊ ምሳርሒ ዝተዓጠቐን ብኣተሓሳስባን ስነ ልቦናን ዝተሃነፀን እዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።
ኮሌጅን ኣዛዝነትን ስታፍን ምክልኻል መበል 15 ዙር ላዕለዎት መኮንናት ስሩዕ ኮርስ ኣመሪቑ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ሓላፊ ላዕለዋይ መምርሒ ትምህርትን ስልጠናን ምክልኻል ሌተናል ጀነራል ይመር መኮንንን ኣዛዚ ኮሌጅን ኣዛዝነትን ስታፍን ምክልኻል ብርጋዲየር ጄኔራል ሙሉጌታ ኣምባቸው፣ጄኔራል መኮንናት፣ ወታደራዊ ኣታሼታትን ቤተሰብ ተመረቕትን ተረኺቦም።
ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ኮሌጅ ካብ ዝምስረት ግዜ ጀሚሩ ኣብ ኩሎም ክፍልታን ሓይልታትን ሰራዊት ምክልኻል ብብቕዕቅት ናይ ምምራሕ ክእለት ዘለዎም ኣብ ታክቲካል ክፍልታት ሰራዊት፣ሳይንስን ጥበብን ኦፕሬሽናል ውግእ ስልጠና ዝወሰዱ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት መኮንናት ኣፍርዩ እዩ።
ኣብዚ ዓመት እውን ኣብቲ ኮሌጅ ስልጠና ብምውሳድ ብብቕዓት ዛዚሞም ንምረቓ ዝበቕዑ ላዕለዎት መኮንናት ውፅኢት ሰራዊት ምክልኻል ዘመዝግቦ ዘሎ ብቑዕ ዝሰልጠነ ፕሮፌሽናል ሰራዊት እዮም ኢሎም።
ሃገራውን ትካላውን ሪፎርም ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ጀሚሩ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝለዓለ ዓወት እናመዝገበት ከምትርከብ ሓቢሮም።
ሰራዊት ምክልኻል ፕሮፌሽናል ብምግባርን ብምምዕባልን ኣብ ቀፃሊ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ስግኣታት ንምትራፍ ብሄራዊ ሓደጋ እንተጋጢሙ እውን ብዘተኣማምን ምምካት ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ሰራዊት ከምዝተሃነፀ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብኩሎም ዓውድታት ተለዊጡ ብኣግባቡ ዝተወደበ፣ነዚ ዘበን ዝምጥን ዘበናዊ መሳርሒ ዝተዓጠቐን ብኣተኣሓሳስባን ስነ ልቦናን ዝተሃነፀን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።