ኢትዮጵያ ብለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ሓምለዋይ ኣሰር ንምህናፅ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ብሪክስ ኣፍልጦ ሂቡ-ፍጹም አሰፋ(ዶ/ር)

 

አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 2/2017(ኢዜአ) ኣብ መበል 17ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኢትዮጵያ ብለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ሓምለዋይ ኣሰር ንምህናፅ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ብሪክስ ኣፍልጦ ሂቡ ክብላ ሚኒስትር ልምዓትን ትልምን ፍጹም አሰፋ(/) ገሊፀን

ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ዝተመርሓ ልዑኸ ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ሪዮ ዴጄኔሮ ዝተኻየደ መበል 17 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ተሳቲፉ።

ሚኒስተር ልምዓትን ፕላንን  ፍጹም አሰፋ(/) እቲ ልዑኸ ኣብ እቲ ጉባኤ ዝነበሮ ተሳትፎ ብዝምልከት መብሪሂ ሂበን

ኣብ መብርሂኣን እቲ ጉባኤ ዓለም ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር በቲ ዝድለ ዓቐን ምላሽ እናሃበ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዞባን ንኣዎንታዊ ድልየት ኣፍሪካን ጥንኩሩን ግልፅን ቅዋም ከምዘለዎ ሓቢረን  

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ ኣብ ጉባኤ ብሪክስ  ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ምህናፅ ኣድላዪ ምዃኑ ብወገን ኢትዮጵያ ኣፅንኦት ተዋሂቡዎ ኢዩ ኢለን።

እተን ሚኒስትር ኣብ መብርሂአን፥ ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝበላ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት  ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ልዑል ፅዕንቶ ብምሕዳሩ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብቲ ጉባኤ ተገሊፁ ኢዩ ኢለን።

ኢትዮጵያ ስራሕቲ ሓለዋ ደኒን ከባቢን ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢሉ ብልዑል ደረጃ ትሰርሐሉ ከምዘላ ብምግላፅ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ቁርፀኛ ብምዃን ነቲ ተግባር ብፋይናንስ ንክድግፍ ተሓቲቱ ኢዩ ኢለን።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ ነቲ ጉዳይ ቆላሕታ ብምሃብ መዝታየን ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ እውን ተዛሪበን።

ፅዕንቶ ካባብያዊ ኣየር ነምፅዋር ኣባል ሃገራት ብሪክስ ምትሕብባር ቴክኖሎጂን ፋይናንሰን ንክገብራ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሑ ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያ ኣብዚ ከይዲ ተረባሒት ክትከውን ኢያ ኢለን።

ኢትዮጵያ ኣብ ተሓዳሲ ፍልፍል ሓይሊ ልዑል ስራሕ ትሰርሕ ከምዘላ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ካብ ሃገር ብተወሳኺ ንካልኦት ዝኸውን ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

እቲ ግድብ ፍልፍል ተሓዳሲ ሓይሊ ከብ ኣብ ምባል ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ኢዩ ኢለን።

ህንፀት ኣማራፂ ሓይሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ተቓላዕነት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምንካይ ብምዃኑ ዕድላት ኢንቨስትመንት ብምስሓብ ተረባሒ ምዃን ከምዘኽእል ኣብሪሀን።

ማሕበረሰብ ዓለም ቁርፀኛ ብምዃን ነቲ ተግባር ብፋይናንስ ንክድግፍ ተሓቲቱ ኢዩ ኢለን።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ ነቲ ጉዳይ ቆላሕታ ብምሃብ መዝታየን ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ እውን ተዛሪበን።

ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ኮፕ 30 ንምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብዝምልከት ዛዕባታት ንምንፅብራቐ ምድላው ትገብር ከምዘላ ፀሪሓን

መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ 30) ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018 /ኣብ ብራዚል ከተማ ቤለም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም