ነፃን ዘይሻራውን ትካላት ዲሞክራሲ ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ዘለዎም እጃም ብዝበለፀ ንምጉላህ እቲ ቤት ምኽሪ ዝገብሮ ደገፍ ክቕፅለሉ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /28/2017(ኢዜኣ) ነፃን ዘይሻራውን ትካላት ዲሞክራሲ ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ዘለዎም እጃም ብዝበለፀ ንምጉላህ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

ሓባራዊ መድረኽ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ትካላዊ ሪፎርም ነቲ ቤት ምኽሪ ተፀዋዕቲ ዝኾኑ ትካላት ዲሞክራሲ ይካየድ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዜጋታት ንክኽብሩ ትካላት ዲሞክራሲ ርኡይ እጃም ኣለዎም ኢሎም።

ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዜጋታት ብኣግባቡ ንክኽብሩ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ነፃን ዘይሻራውን ትካላት ዲሞክራሲ ተጣይሾም እናሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።

እቶም ትካላት ሓላፍነቶም ብብቕዓት ንክዋፅኡ እውን ኣብ ሕግን ኣወዳድባን ዘለዉ ፀገማት ንክፍትሑ ስራሕቲ ሪፎርም ከምዝተሳለጡ ተዛሪቦም።

ትካላት ዲሞክራሲ ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ዘለዎም ቁልፊ እጃም ብዝበለፀ ንምዕባይ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣፈፃፅማ ዘጋጥሙ ፅገማት ንምፍታሕ ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣፈፃፅማ እቶም ትካላት በቢእዋኑ እናገምገመ ክፍተታት ሕግን ኣሰራርሓን ንምምላእ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር እውን ተዛሪቦም።

መራኸብቲ ሓፋሽ እውን ሰላም፣ሓድነትን ልምዓትን ሃገር ዘጠናኽሩ ዛዕባታት ንምስራፅ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብብቕዓት ምውፃእ ዘኽእሎም ሪፎርም ከምዝገበሩ ኣረዲኦም።

ኣብቲ መድረኽ፤ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትካላዊ ሪፎርም ቦርድ ብሄራዊ መረፃ ኢትዮጵያ፣ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ትካል ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት፣ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፣ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኢትዮጵያን ትካል ፕረስ ኢትዮጵያን ቀሪቡ ክዝተየሉ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም